ማርበርግ ዝተባህለ ምስ ኢቦላ ዝዛመድ ኣዝዩ ተላባዒ ሕማም ከም እተራእየ ሰብመዚ ጥዕና ሃገረ ጊኒ ገሊጾም።
እዚ ቫይረስ፡ ገና ከይሰጐመ ክዕገት ከምዘለዎ፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና (WHO) ኣጠንቂቑ’ሎ። ቫይረስ ማርበርግ፡ ብመንካዕ ፍሩታ ኣቢሉ ዝመጸ ሕማም ኮይኑ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብኣካላዊ ፈሰስቲ ከም ዝመሓላለፍ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ቫይረስ ኣብ ሰባት ከቢድ ረስኒን ምዝባዕ ደምን ብምስዓብ ከም ዝቐትል ሰብመዚ ጥዕና የመልክቱ። ሓደ በዚ ሕማም ተለኺፉ ተባሂሉ እተጠርጠረ ሰብ ድሕሪ ምሟቱ ካብ ኣካላቱ ሳምፕል ተወሲዱ ዝተገብረ መርመራ ምስ ተኻየደ እዩ ብርግጽ እዚ ቫይረስ ኣብ ጊኒ ከም እተራእየ ተፈሊጡ ዘሎ። እዚ ቫይረስ ናብ ሰፊሕ ቦታታት ክላባዕ ከም ዝኽእል ዶ/ር ማትሺዲሶ ሞየቲ ካብ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣመልኪቱ።
ሰብመዚ ጥዕና፡ ምስ እቲ ግዳይ ርክብ ዝገብሩ ሰባት ኣብ ምንዳይ ጻዕሪ ይገብሩ ምህላዎም ገሊጾም ኣለዉ። ዛጊት ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ሕማም ኢቦላ ንምዕጋት ዝወዓለ ስርዓተ ምክልኻል፡ ነዚ ሕማም እውን ኣብ ምምካት ይውዕል ኣሎ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።