ኣብ 2019 ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን 36, 692 ፍቓድ መዘወሪ መኪና ክሕደግህ ምግባሩ፥ እዚ ድማ ምስ ናይ ዓመተ 2018 እንክነጻጸር ናይ 6 ሚእታዊት ወሰኽ ከም ዝተራእዮ ተገሊጹ። ኣብ ግዜ ስኽራን መኪና ምዝዋር ፍቓድ ምዝዋር ንምምንዛዕ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምንባሩ ድማ ተገሊጹ።
ምግሃስ ንቡር ሕጊ ፍጥነት ወይ ቀይሕ መብራህቲ ትራፊክ ካልእ ኣስታት 19,903 ፍቃድ መዘወሪ መካይን ክሕደጉ ዝገብር ግህሰት ሕጊ ምንባሩ ድማ ተገምጊሙ። ናይ ፍቓድ ምውጻእ ካብ ሓደ ናብ ካልእ ኣካል ሃገረ ሽወደን ዝፈላለ ኰይኑ ዝለዓለ መጠን ኣፕሳላ ኮይና 15.4% ኖርበርተን ከኣ 12.4% በጺሑ’ሎ። ኣውራጃታት ብልኪንግን ዳላርናን ዝተሓተ ደረጃ ( ብተኸታታሊ ብ 6.7% ከምኡ’ውን 4.9%) ዝተሓተ ሬኮርድ ምምዝጋበን ተፈሊጡ።፡