ኔቶ ንመስርሕ ኣባልነት ሽወደን ኣብ ኔቶ ንምቅልጣፍ ዝመጽእ ሰሙን ተወሳኺ ኣኼባ ኣዳልዩ ኣሎ። ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፥
ሓለፍቲ ድሕነት ከምኡ’ውን ኣማኸርቲ ሃገራዊ ድሕነት ሽወደን፡ ፊንላንድን ቱርኪን ኣብ ብራስለስ ክራኸቡ ምዃኖም ማዕከን ዜና
ቲቲ ሓቢራ።
እዚ ኣኼባ ኣብ ብራስለስ ክካየድ እዩ ክብል ሓላፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ’ሎ። ፕረዚደንት ቱርክ
ኤርዶጋን ነዚ ኣመልኪቱ ን ማዕከናት ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ምስ ሽወደን ኣብ ጒዳይ ኣባልነት ኔቶ ኣብ ሃናጺ ስምምዕ
ክበጽሕ ከም ዝደሊ፡ እንተኾነ ግና ሕጂ’ውን ደገፍቲ PKK፥ PYD፥ YPG ኣብ ሽወደን ከም ድላዮም እናተንቀሳቐሱን
ኣኼባታት እናወደቡን እዚ ክግበር ዘይሕሰብ እዩ” ኢሉ’ሎ።