ኣባል ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ብቫይረስ ኮሮና ምስ ዝልከፍ፡ ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ዝመሃሩ ኣባላት’ታ ስድራ ቤት (ህጻናት) ክውሸቡ ኣለዎም ክብላ ማሕበራት ሰራሕተኛታትን መማህራንን ጠለበን ከም ዘቕረባ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።
ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ከቢድ ጻዕቂ ስራሕ ኣሎ። ኣብ ገዛ፡ ብኮሮና ዝተለኽፈ ሰብ ምህላዉ እናተፈልጠ፡ ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ምግባር፡ መማህራን ልዕሊ መደቦም ክሰርሑን ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸቕጢ ክእትዉን ዝገብር እዩ ክትብል ፕረዚደንት ማሕበር መማህራን፡ ዮሃና ኦስትራንድ፡ ገሊጻ።
ብመሰረት በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ብኮሮና ዝተለኽፉ ወለዲ፡ ነቶም ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ዝመሃሩ ደቆም፡ ምስ ካልእ ሰብ ከይተራኸቡ ከብጽሕዎምን ክወስድዎምን ይኽእሉ እዮም ኢሉ ከምዝሓበረ ይዝከር።
ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም፡ መምርሒታትን ምኽርታትን ከመሓላልፍ ይኽእል እዩ። ገለ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣባል ስድራ ቤት ዝተለኽፎ ህጻን፡ ናይ ምውሻብ መምርሒታት ከም ዘመሓላለፋ ተፈሊጡ ኣሎ።
ብበዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ዝመሓላለፉ መምርሒታት ብዝምልከት ተቛውሞ የብልናን ዝበለ ማሕበር መምህራን’ቲ ምምሕዳር፡ ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ዘሎ ኩነታት ግን ምስ ናይ ስራሕ ሃዋሁ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። ፕረሲደንት ማሕበር ሰራሕተኛታት’ቲ ምምሕዳር፡ ቶቢያስ ቦዲን ብወገኑ፡ ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ዘሎ ዘይምኽንያታዊ ጻዕቂ ስራሕ ንዘየድሊ መልከፍቲ የቃልዕ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ እቲ መምርሒ ክቕየር፡ ጸዊዑ። ኣብ ገለ ቅድመ ትምህርታት፡ ብዙሓት ሰባት ስለዝተለኽፉ፡ ክዓጽዋ ከምተገደዳ፡ ቦዲን፡ ብምውሳኽ ገሊጹ።
ኣማኻሪን ተጸዋዒን ሓማማት ለበዳ መንግስቲ ሽወደን ቴግኔል ግና ንለበዋታት በዓልመዚ ጥዕና ዝቕይረሉ ምኽንያት ከም ዘየሎ እዩ ዝገልጽ ዘሎ።
ብዙሓት ናይ ቅድመ ትምህርቲ መማህራን፡ ነዘን ቤት ትምህርታት ዝምልከት ብበዓልመዚ ጥዕና ዝወጸ ዘይንጹር ለበዋ፡ ንለበዳ ዘቃልዕ እዩ ብምባል ሻቕሎቶም ክገልጹ ከም እተራእዩ ተሓቢሩ።