ብሰንኪ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዘጋጠመ ነትጒ፡ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ። ጠንቂ ናይዚ ነትጒ፡ ብመንገዲ ድሮን ዝተፈጸመ ናይ ደብዳብ መጥቃዕቲ ክኸውን ከምዝኽእል ጸብጻባት ሰብ መዚ መንግስቲ ሓቢሮም ኣለዉ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ናይ ድሮን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ መኻዚኖ ዝነበራ ሰለስተ ገንእታት ነዳዲ ናይ ዓርሞሾሽ ኩባንያ ኣድኖክ (ADNOC) ምንባሩ እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ኣፍሊጡ።
እቶም ግዳያት ዝኾኑ ሰባት፡ ክልተ ህንዳውያንን ሓደ ፓኪስታናውን ከም ዝኾኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ፈጸምቲ ናይቲ መጥቃዕቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝንገረሎም ኣብ የመን ዝንቀሳቐስ፡ ጉጅለ ሑቲ፡ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ከምዝወሰደ ገሊጹ ኣሎ። ኣቐድም ኣቢሉ እዚ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቡ ዳቢን ዱባይን መጥቃዕቲ ክፍጽም ከምዝኽእል ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ምስ ሱዑዲ ዓረብ ልፍንቲ ብምፍጣር ኣብ ጎድኒ መንግስቲ የመን ኮይነን ኣብቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ይሳተፋ ምህላወን ይፍለጥ።