ኣስታት 1000 ብሓኪም ዝእዘዙ መድሃኒታት ዋጋኦም ክኸብር ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ኤጀንሲ መልዕሎ ስኒን መድሃኒትን ሸወደን
፥ ፋርማሲታት ንፍርያት ዝኸፍላኦ መጠን ክልዕል ብምግባሩ እዩ እዚ ክብሪ መድሃኒታት ተኸሲቱ ዘሎ። እቲ ኤጀንሲ እዚ ዝገበረሉ
ምኽንያት ከምኒ ጸረ-ተሃዋስያን –ኣንቲባዮቲክስ–ዝመሰሉ ኣዝዮም ኣገደስቲ መድሃኒታት ተረከብቲ መታን ክኾኑ እዩ
ክትብል ሓላፊት እቲ ትካል ሴሲልያ ፍሮስተጋርድ ትገልጽ። እዚ ገደብ ዋጋ ክልዕል እንተዘይተጌሩ፥ ሽወደን ዝተወሰኑ መድሃኒታት
ጠቕሊላ ክትስእን ምኸኣለት ኔራ ክትብል ሲሲልያ ወሲኻ ኣመልኪታ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፋርማሲታት ሽወደን ብማእከላይ
ገምጋም ምስ ዋጋ ካልኦት 19 ሃገራት እንክወዳደር ብፍርቂ ዝጎድል እዩ ኔሩ። እዚ ግን ብሰንኪ ሕጽረት ቀረብ መድሃኒት ጸገም
እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። በዚ ድማ ኣስታት 1000 ዝኾኑ መድሃኒታት ዋጋኦም ብ 25% ክብ ከም ዝብል ተጌሩ’ሎ። እዚ ወሰኽ
ዋጋታት ዝድለ ውጽኢት ከምጽእ ድዩ ንምርኣይ ኣብ ወቕቲ ኣየት ክትትል ክግበረሎም ምዃኑ፥ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ርእይቶታት ግና
እወታዊ ምዃኑ ሲሲልያ ወሲኻ ሓቢራ።