መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 8% ክብ ብምባል ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራይ 100 ሽሕ ሰባት ብዘይ ስራሕ ተሪፎም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ሽወደን ብድምር ኣስታት 410 ሽሕ ሰባት ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም ይርከቡ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 8% ከምዝበጽሐ ነቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝመጸ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር መርበብ ሓበሬታ ሽወደን TT ኣቃሊሑ። ቁጽሪ ደለይቲ ስራሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብ13200 ከምዝወሰኸ ድማ ተሓቢሩ።
ክሳብ ዝመጽእ ክረምቲ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ብኸምዚ ዘለዎ ናህሪ እንተድኣ ቀጺሉ እቲ ቁጽሪ ናብ ጥርዙ፡ 10%፡ ክበጽሕ እዩ። ብዙሓት ኩባንያታት ብኩነታት ለበዳ ቫይረስ ብዙሓት ኩባንያታት ተጸልየን ምህላወንን ቀንዲ ግዳያት ድማ ሆቴላት፡ ቤት ምግብታት፡ ንግድታት፡ ናይ መገሻ መጓዓዝያታትን ናይ ጽዕነትን ንግድታትን ምዃነን ይፍለጥ።
ጽልዋታት ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ፋብሪካታት ሽወደን ጌና ዓቢ ኣይኮነን ዘሎ፡ እዚ ኩነታት እንተዘይተመሓይሹ ግን ዕድል ናይተን ኩባንያታት ከጓንፈን ምዃኑ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሓላፊት ክፍሊ ምርምር ዝኾነት፡ ኣኒካ ሶንዲን፡ ገሊጻ። ኣብ ጽላታት ሓለዋ ጥዕናን ቀጠልያ ስራሓት (ሕርሻን ዱርን) ባዶ ናይ ስራሕ ቦታታት ከምዘለዉን ነዞም ስራሓት ብቁዓት ዝኾኑ ሰባት ንምንዳይ ተወሰኽቲ ክኢላታት ክንቆጽር ግዚኡ ሕጂ እዩ ክብል ቤት ጽሕፈት ዕዮ ይሕብር።