ናይ ቅድም ኣሰልጣኒ ኢጣልያዊት ጁቬንቱስ ማሲሚላኖ ኣለርጊ፡ ኣሰልጣኒ እንግሊዛዊት ማንቸስተር ዩናይትድ ኮይኑ ምስ ዝቝጸር ንፈረንሳዊ ፓትሪስ ኤቭራ ሓደ ካብ ተሓጋገዝቱ ገይሩ ከም ዝቘጽሮ ተዛሪቡ። ኤቭራ ካብ 2006 ክሳብ 2014 ማልያ ማንቸስተር ዩናይትድ ወድዩ ኣብ ዝተጻወተሉ፡ ሓሙሽተ ናይ ፕሪመር ሊግ ወናጩ ከም ዝዓተረ ይፍለጥ። ብዘይካ’ዚ ናይ ሻምፕዮንስ ሊግ ጽዋእ’ውን ምስታ ጋንታ ኮይኑ ኣልዒሉ’ዩ። ኣለርጊ ኣሰልጣኒ ዩናይትድ ኮይኑ እንተደኣ ተቘጺሩ፡ ንኤቭራ ሒዙ ናብ ኦልድ ትራፎርድ ኣብ ዝመጸሉ ካብ ደገፍቲ እታ ጋንታ ልዑል ተቐባልነት ክረክብ ከም ዝኽእል ይንገር።
እዚ ሓደ ካብ ብሉጻት ኣሰልጠንቲ ዓለም ምዃኑ ዝእመነሉ ኣለርጊ፡ ካብ ቶተንሃም’ውን ተገዳስነት ረኺቡ ከም ዘሎ’ያ ጋዜጣ ደይሊ መይል ትሕብር። ማንቸስተር ዩናይትድ ናይ ቅድም ክብራ ስኢናትሉ ኣብ ዘላ ግዜ፡ ፓትሪስ ኤቭራ ነታ ጋንታ ክሕግዝ ናብ ኦልድ ትራፎርድ ክመጽእ ከም ዝደሊ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ሓቢሩ’ዩ። ንጁቬንቱስ ድሕሪ ምግዳፉ ብዘይ ስራሕ ዘሎ ማሲሚላኖ ኣለርጊ፡ ነዚ ናይ ቅድም ናይ ጸጋም ተኸላኻሊ ዩናይትድን ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳን ዝነበረ ፓቲርስ ኤቭራ ናብ ዩናይትድ ሒዝዎ ክኸይድ መብጸዓ ከም ዝኣተወሉ ቀረብቱ ይሕብሩ። ኣለርጊን ኤቭራን ብሓባር ምስ ጁቬንቱስ ኮይኖም ክልተ ናይ ሰሪ ኣ ወናጩ ከም ዝወሰዱን ኣብ ከተማ ቱሪን ጽቡቕ ግዜ ከም ዘሕለፉን ይፍለጥ።
ኣለርጊን ኤቭራን ናብ ዩናይትድ ፓውንድ ዘውጸኣትሉ ፈሊክስን ማንቸስተር ዩናይትድ ከተፍርሞ ትመጣጠር ዘላ ኤርሊን ሃላንድን’ውን ከም ዝኣትዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ብመሰረት እዚ ትማሊ ሰሉስ ዝወጸ ኣስማት ከም ዳንየል ማለን፡ ቪኒሽየስ ጁኒየር፡ ማቲስ ዲ ላይትን ሞይስ ኪንን’ውን ተረቚሖም ኣለዉ። ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ጎልደን ቦይ፡ ናይ ኣትለቲኮ ማድሪድ ፈሊክስ ክዕወተሉ ከም ዝኽእል ይግለጽ። ዝሓለፈ ዓመት ዲ ላይት ምስ ኣያክስ ኮይኑ ነዚ ሽልማይ ከም ዝተዓወተሉ ኣይርሳዕን። እዚ ተጻዋታይ ሎሚ ዓመት’ውን ኣብዚ ዝርዝር 20 ሕጹያት ኣትዩ’ሎ። ንትሕቲ 21 ዓመት ዝዕድሚኦም ዝወሃብ ሽልማት ጎልደን ቦይ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይ ወርሒ ታሕሳስ’ዩ ክወሃብ። ኣቐዲሞም ሊዮነል መሲ፡ ፖል ፖግባን ከይላን ምፓበን ነዚ ሽልማት ዓቲሮሞ ከም ዝነበሩ ኣይርሳዕን። ሽልማት ጎልደን ቦይ ብፊፋ ተማእኪሉ ብኢጣልያዊት ጋዜጣ ቱቶ ስፖርት ዝዝርጋሕ ሽልማት ብሉጻት መንእሰያት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ’ዩ። ኣለርጊ ኣሰልጣኒ ዩናይትድ ምስ ዝኸውን፡ ኤቭራ ብዘለዎ ምልከት ቋንቋ እንግሊዝን ፍልጠት ሬድ ዴቭልስን ዓቢ ሓገዝ ክገብረሉ ከም ዝኽእል ይእመን።
ኤቭራን ኣለርጊን ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ጥቡቕ ርክብ ክገብሩ ከም ዝጀመሩ’ዩ ዝሕበር። ክልቲኦም ዝሓለፈ ሰሙን ቶተንሃም ብባየር ሙኒኽ ኣብ ግጥም ሻምፕዮንስ ሊግ ኣብ ዝሓፈረትሉ፡ ነቲ ጸወታ ብሓባር ከም ዝተዓዘቡዎ ኣይርሳዕን። ኤቭራ’ውን “ተመክሮ ክንለዋወጥ ምኽኣልና ሕጉስ’የ” ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝጸሓፈ ይዝከር። እዚ ምስ ጁቬንቱስ ብዘለዎ ፍቕሪ ምስ ካልእ ኢጣልያዊት ጋንታ ክሰርሕ ከም ዘይኮነ ዝሕብር ኣለርጊ፡ ኣብዚ እዋን ኣዒንቱ ናብ ጋንታታት እንግሊዝ ኣቢሉ ከም ዘሎ ይሕበር። ኣለርጊ ኣብዚ እዋን ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ኣብ ምምሃር’ዩ ዝርከብ ዘሎ።