ኣርቲፊሻል መማቕርቲ “ኣስፓርተም”፡ ብ ኣህጒራዊ ትካል ምርምር መንሽሮ (IARC) ካንሰር ዘኸትል ባእታ ተባሂሉ ክምደብ
ተዳልዩ ምህላዉ ተፈሊጡ። እዚ ኣብ ወርሒ ሓምለ ክግለጽ ትጽቢት ዝግበረሉ ውሳነ፡ ኣብ መንጎ ኢንዱስትሪ መግቢ፡ ተቖጻጸርትን
ትካላት ጥዕናን ዓብዪ ዘይምርድዳእ ፈጢሩ’ሎ። ኣስፓርተም ኣብ ከምኒ ኮካ-ኮላ ዝኣመሰሉ ፍርያት ልስሉስ መስተ፥ ማስቲካ
“ማርስ ኤክስትራ”፡ ከምኡ’ውን ገለ መስተ ስናፕል ዝውዕል ፍሉይ መማቕርቲ ባእታ እዩ።
IARC ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ብምትሕብባር፡ ንኣስፓርተም "ጠንቂ ካንሰር" ኢሉ ንመጀመርታ ግዜ ክምድቦ እዩ።
እዚ ገምጋም ኣብ ኩለመዳያዊ ገምጋምን መርትዖታትን ዝተመስረተ እዩ ዝበለ እቲ ትካል፥ እንተኾነ ግና እዚ ገምጋም ንውሑስ
ኣጠቓቕማ እዚ ባእታ ግምት ዘየእተወ ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ብዛዕባ ቅኑዕ ውልቃዊ ኣልኪ እዚ ባእታ ካብ ሓባራዊ ኮሚቴ
ክኢላታት ውድብ ጥዕና ዓለም፥ ትካል መግብን ሕርሻን (JECFA) ከምኡ’ውን ካብ ሃገራዊ ተቖጻጸርቲ ኣካላት ክወሃቡ እዮም።
ቅድሚ ሕጂ IARC ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥረ ነገራት ዝሃቦ ውሳነታት፡ ኣብ ተጠቀምቲ ስክፍታታት ኣብ ልዕሊ ምፍጣሩ ፡ ክስታት ከም
ዘስዓበን፡ ኣፍረይቲ ኸኣ ፍርያቶም ዳግማይ ክቐርጹ ወይ ኣማራጺታት ክደልዩን ምቕሳቡን ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ ኣስፓርተም ከምዚ ዝበሉ መጽናዕቲታት ክግበሩ ሕጂ ፋልማይ ኣይኮነን። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ፈረንሳ 100 ሽሕ
ዓበይቲ ሰባት ዘሳተፈ ትዕዝብታዊ መጽናዕቲ፡ ን ኣስፓርተም ሓዊስካ ካልኦት ኣርቲፊሻል መማቕርቲ ዝወስዱ ሰባት ዝለዓለ ሓደጋ
መንሽሮ ከም ዘለዎም ኣረጋጊጹ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መጀመርታ ዓመታት ናይ 2000 ኣብ ኢጣልያ ትካል ራማዚኒ ዝተገብረ
መጽናዕቲ፡ ኣብ መንጎ ኣስፓርተምን ገለ ዓይነታት መንሽሮን ምትእስሳር ከምዘሎ ምሕባሩ ጸብጻባት የመልክቱ።