መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል፡ ናይ ህጹጽ እዋን ረድኤት ሒዘን ንዝመጻ ነፈርቲ ንምቕባል ከም እተኸፍተን ሲቪላዊ ኣገልግሎት ምሃብ ከም ዝቕጽልን ንኣምባሳደር ኣፍጋኒስታን ኣብ ቐጠር ብምጥቃስ ኣልጀዚራ ጸብጺቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
መዕለቢ ጽርግያ ነፈርቲ ንምጽጋን፡ ሓንቲ ናይ ተክኒክ ጒጅለ፡ ናብ ካቡል ተላኢኻ ምህላዋ፥ ብዘይካ’ዚ ንካቡል ምስ ማዛር-ኢሽራፍን ካንዳሃርን ዘራኽባ ክልተ ናይ ውሽጢ ሃገር መንገዲታት ክህነጻ ምዃነን እቲ ኣምባሳደር ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
ኣሜሪካ እትመርሖ ስርሒት ምውጻእ ዜጋታት ወጻኢን ኣፍጋናውያንን ዝሓለፈ ሰኑይ ምስ ተዛዘመ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ዕጹው ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ሰባት ናይ ምጉዕዓዝ መደብ ከይተወዓጽወ ካብታ ብጣሊባን እትምራሕ ኣፍጋኒስታን ንምውጻእ፡ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብምውሓዞም፡ እቲ መስርሕ፡ ንብዙሕ መዓልታት ስርዓት ስኢኑ ምጽንሑ ጸብጽባት የመልክቱ።