ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ኣመሪካ ካሪን ኦሎፋዶተር ነቲ ኣብ ነንጐ ኣመሪካን ሽወደንን እተኸስተ ቅልውላው ንምክትታል ዕረፍታ ወዲኣ ናብ ዋሺንተን ምምላሳ ተሓቢሩ። እቲ መልዓሊ ቊርቊስ ምእሳር ኣመሪካዊ ደራፋይ ራፕ ኣሳፕ ሮኪ ኣብ ሽወደን ምዃኑ ድምጺ ባህሊ ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ።
እታ ኣምባሳደር ብዛዕባ ኣሰራርሓ ሕጋዊ ጒዳያት ሽወደን ምስ ኣባላት ኮንግረስ ከተረድእ ምብጋሳን ድሕሪ ምግላጽ ” ኣብ ኣሰራርሓ ሕጊ ሽውደን ገለ ዘይበርሃሎም ጒዳይ ምህላዉ ብሩህ እዩ” ምባላ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። እቶም ኣመሪካውያን ኣባላት ኮንግረስ ነቲ ምእሳር ምግሃስ መስለ ወዲኣዳም እዩ ክብሉ ኮኒኖሞ ኣለዉ።