ዛጊት 800 ሽሕ ኣመሪካውያን፡ ብሕማም ኮቪድ ከም ዝሞቱን እዚ ድማ ዝበዝሐ ሰባት ዝቐተለ ሃገራዊ ለበዳ ከም ዝገብሮን ተጸብጺቡ።
ኣብ ኣመሪካ፡ ቊጽሪ ተለከፍቲ ኮቪድ፡ 50 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝተገልጸ ኮይኑ፥ ዝበዝሑ ግዳያት ሞት እዚ ሕማም፡ ዘይተኸትቡን ምዃኖምን እዚ ሞት ድማ ኣብ ዓመተ 2020 ከምኡውን 2021 ከም እተኸስተ ተመልኪቱ።
እዚ እናኾነ፡ መጠነ ሞት ግዳያት ኮቪድ፡ ሕጂውን ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ 11 ሳምንታት፡ 100 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱን እዚ ድማ ኣብ ዝኾነ ግዜ ካብ ዘጋጠመ መጠን ከም ዝልዕል ቢቢሲ ጸብጺባ’ላ።
እዚ እንርእዮ ዘሎና መጠን ለበዳ፡ ማሕበራዊ ጸረ ኣካል ክሳብ ዝምዕብል ምቕጻሉ ኣይተርፎን እዩ ክሳብ ሕጂ ግን ገና ኣብኡ ኣይበጻሕናን ኣሎና ክትብል ኣብ ጃን ሃፕኪንስ ብሉምበርግ ቤት ትምህርቲ ጥዕና፡ በዓል ሞያ ለበዳታት ዝኾነት ዶ/ር ኬሪ ኣልቶፍ ገሊጻ’ላ።