ሰብ መዚ መክሲኮ፡ ኣብ ዶብ መክሲኮን ኣመሪካን ኣብ ዝርከባ ዓበይቲ መዓስከራት ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቚባ፡ ክሳብ መወዳእታ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ክፍቀደሎም እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎም ምንጪታት መንግስቲ ሓቢሮም። ኣብቲ ጥቓ ቴክሳስ ዝርከብ ማዓስከር ማታሞሮስ፡ 700 ዝኾኑ ስደተኛታት ከም ዘለዉ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፡ ይገልጽ። ዝበዝሑ ካብዚኣቶም ዕቚባ ንምሕታት ጒዳዮም ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኣመሪካ ክረኣየሎም ዝጸንሑ ሓተትቲ ዕቚባ እዮም።
እዚ ኣገባብ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር፡ ዶናልድ ትራንፕ፡ ተግባራዊ ከም ዝኾነ ጸብጻባት የመልክቱ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ናይ ጥርዓን ጒዳያት ንኸጻርዩ ብዝብል ምኽንያት ኣባላት ፕሮቶኮል ሓለዋ ስደተኛታት (MPP) ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ጌሩ’ሎ።
ብሓሙስ 27 ሰባት ብዓርቢ ኸኣ 100 ሰባት ካብ ዶብ መክሲኮ ናብ ኣመሪካ ምእታዎምን እዚ መስርሕ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ክቕጽል እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዋን ኣፈኛ UNHCR ሲልቪያ ጋርዱኖ ገሊጻ’ላ። እቲ ኤጀንሲ ምስ ኣህጒራዊ ውድብ ስደተኛታት ብምዃን ኣብ ቀረብ ምዝገባ ስደተኛታት ካብ ካምፕ ናብ ኣመሪካ ናይ ምጉዕዓዝ ሓላፍነት ሒዙ ከም ዝዓዪ ድማ ተገሊጹ።
ኣብ ማታሞሮስ ዘለዉ ሓተትቲ ዕቚባ፡ በዚ ምዕባለታት ተስፋ ከም ዝሰነቚ ድማ ተገሊጹ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ናብ ኣመሪካ ምስ ኣተዉ፡ ኣብ ካልእ ክፋል መክሲኮ፡ ሓደስቲ ስደተኛታት ምእታዎም ተገሊጹ። እዞም ስደተኛታት ኣብ ጎደቦ ኣል ካፓራል (ጥቓ ሳን ዲየጎ፥ ካሊፎርኒያ) ቴንዳ ይተኽሉ ምህላዎም ድማ ተመልኪቱ። ዛጊት 50 ዝኾና ቴንዳትት ተተኺለን ምህላወን ጠበቓታት ገሊጾም ኣለዉ።