ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ትማል ሰሉስ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ቅልውላው ትግራይ፡ ተዂሲ ብምቊራጽን ናብ ዘተ ብምቕራብን ጥራይ ክፍታሕ ዘለዎ እዩ ብምባል ድሕሪ ምግላጽ፡ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብቲ ሒዞሞ ዘለዉ መሬት ክለቁን ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይ ሽግር ናብቲ ዝደልዮ ህዝቢ ክባጻሕን ኣተሓሳሲቡ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ዓሌታውን ፖለቲካዊን ፍልልያት ኲሉ ብፖለቲካዊን ዘተ ክፍታሕን ነዚ ዝኸውን ንዂሉ ዘሳትፍ መኣዲ ዘተ ክፍጠርን ብጽኑዕ ተላብዩ’ሎ። ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ንዝሓለፋ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ኲናት ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ኣብ ገምገም ጥሜት ከም ዝርከብ ጸብጻባት የመልክቱ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ምቊራጽ ተዂሲ እኳ እንተኣወጀ ዛጊት ብርክት ዝበለ ኣገልግሎታት ክቋረጽን ናብ ትግራይ ዝወስድ ኲሉ መንገዲታት ምዕጋት ሓዊስካ ምፍራስ ቢንቶ ተከዘ ከም እተፈጸመ ዝዝከር እዩ።