ብዙሕ ሰብ ዘይተጸበዮ ስምምዕ ክሊማ ኣመሪካን ቻይናን ምስናይ ኣሕዲርዎ ዘሎ ጠርጠራ ብሓጎስ ከም ዝቕበልዎ ተሳተፍቲ ዋዕላ COP26 ገሊጾም ኣለዉ።
እዚ ስጒምቲ ብሓቂ ዘተባብዕን ኣዝዩ ኣገዳሲን እዩ ክብሉ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን እኳ እንተገለጹ: ግሪንፒስ ግና: እዚ ውዕል ብግብራዊ ስጒምቲታት ክስነ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
ቻይናን ኣመሪካን ብወገነን ነቲ ኣብ 2015 ኣብ ፓሪስ እተኸትመን ሙቐት ዓለምና ኣብ 1.5°C ክጸንዕን ዝድንግግ ስምምዕ ተግባራዊ ከም ዝገብራ ቃል ኣትየን ኣለዋ። እዚ መጠን ሙቐት ብሰንኪ ዋዒ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋታት ንምክልኻል ይሕግዝ’ዩ ክብሉ ክኢላታት ክሊማ ይገልጹ እዮም።
ቻይናን ኣመሪካን ክልተ ዝበዝሐ ካርቦን ዳዮክሳይድ ዝፍንዋ ሃገራት ምዃነን ዝፍለጥ እዩ።