ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሃገሩ ነቲ ምንቅስቓስ ሑቲ ግብረሽበራዊ እዩ ዝብል ፖሊሲ ክትቅይሮ ምዃና ኣፍሊጡ። እዚ ፖሊሲ ካብ 16 ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ኲሎም ጽፍሕታት ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ድማ ኢሉ።
“እዚ ውሳነ ኣካል ናይቲ ኣብ የመን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣፍልጦ ናህ ምሃብ መስርሕ እዩ” ክብል እውን ብሊንከን ኣረጋጊጹ። እዚ ፖሊሲ ነቲ ኣቐድሙ ብ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተወሰነን ን ሑቲ ከም ሓደ ግብረ ሽበራዊ ምንቅስቓስ ዝጠቅስ ፖሊሲ ፈጺሙ ዝቕይር እዩ ተባሂሉ’ሎ።
እዚ ምቕያር ፖሊሲ ነቲ ኣብ ዓለምና ዛጊት ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ምቅላልን ነቲ ኣብ የመን ንሽዱሽተ ዓመታት ዝቐጸለ ውግእ ሕድሕድን ኣብ ምዝዛም ዝካየዱ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ብኣዎንታ ዝድርዕ ስጉምቲ እዩ ክብል ምምሕዳር ባይደን ተስፋ ኣሕዲሩ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ።
ኣፈኛ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንናይ ብሊንከን መግለጺ ብሓጎስ ከም እተቐበሎ እዚ ፖሊሲ ኣብ የመን ዘሎ ሽግር ፖለቲካዊ ፍታሕ ንኽረክብ ክሕግዝ እዩ ዝብል ተስፋ ኣሎኒ ኢሉ።