ኣልጀርያዊ ቤት ፍርዲ፡ ንፈረንሳዊ ሓዃራይ ጨውዩ ንዝሰየፈ ሰብ፡ ብሞት ክቕጻዕ ወሲኑ። 55 ዝዕድሜኡ ሃርቬ ጉርዴል፡ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ፡ ጁርጁራ ምብጻሕ እናፈጸመ እንከሎ እዩ ተጨውዩ። ድሕሪኡ ብባርባራዊ ኣገባብ እናተሓርደ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ። ጁንድ ኣልኸሊፋ ዝተባህለ ምስ ዳዕሽ ዝምድና ዘለዎ ጒጅለ ናይዚ ግብረሽበራ ሓላፍነት ወሲዱ ኔሩ። ሓደ ካብዞም ጥርጡራት ዓብደልማሊክ ሓማዛዊ፡ ብሓሙስ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቡን ካልኦት መሓዙቱ እውን ኣብ ዘየለዉሉ ናይ ፍርዲ መስርሕ ምክያዱን ተገሊጹ። ሓማዝዊ ነቲ ዝተጠቕሰ ወንጀል ከም ዘይወዓሎ ብምኽሓድ ኣልጀርያ ንዓይ ግዳይ ብምግባርን ነዚ ጉዳይ ብምዕጻውን ንፈረንሳ ከተሐጉስ እያ ትደሊ ዘላ ኢሉ። ብርክት ዝበሉ ምስ ጐርደል ዝነበሩ ኣባላት ምሕኳር፡ ንሓማዝዊ ምስቶም ጨወይቲ ምንባሩ ከም ዘለለይዎ ቢቢሲ ሓቢሩ። ጐርዴል ምኩር ሓዃራይ፡ ኮይኑ ኣብ ዓለማዊ መዓልቲ ምሕኳር ንምስታፍ ናብታ ሃገር ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ኣብ መስከረም 2014 እዩ ተጨውዩ። እቲ ዝጨወዮ ጒጅለ፡ ፈረንሳ ኣብ ደውለት ኢስላሚያ ዳዕሽ ትገብሮ ዝነበረት ደብዳብ ከተቋርጽ እኳ እንተፈራርሀ ፈረንሳ ቊርጽ ዝበለ መልሲ ብምሃባ ነቲ ጅሆ እናሓረድዎ ዘርኢ ቪድዮ ፈንዮም እዮም። ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ፈረንሳ፡ ፍራንስዋ ሆላንደ፡ ነቲ ቅትለት “ናይ ጃጀውቲ ስራሕ እዩ” ክብል ኰኒንዎ እዩ። ኣልጀርያ ኣሽሓት ሰራዊት ብምውፋር ሬሳ መዋቲ ክርከብ ድሕሪ ምጽዓራ ኣካሉ ኣብ ጥሪ 2015 ከም ዝተረኽበ ድማ ይዝከር። ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት እቲ ናይ ፍርዲ መስርሕ ምስ ተጀመረ፡ በዓልቲ ቤት ጐርገል፡ ፍራንሱዋ፡ በቲ ኩነታት ምሕጓሳን “ስድራቤት መዋቲ በዚ ክጸናንዑን” ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ እያ።