ገለ ሰባት ተነቀፍቲ እዮም። ገለ ብዝናብ፡ መግቢ፡ ደሮና፡ ሓሳኹ፡ ከሚካላትን ካልእ ገለ ካብዚ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ዘይሰማምዖ ኣሎ። እንተ ተመጊብናዮም፡ ሸቲትናዮም ወይ ተንኪፍናዮም ነድሪ (ኣለርጂ) ይገብሩ። ዝዀነ ነገር ምስ ዝዀነ ስርዓት ኣካልና እንተ ዘይተቓድዮም፡ ጽቡቕ ኣይስመዓናን። ክንሓምም’ውን ንኽእል። ናይ ኣፍንጫ ነድሪ፡ ኣዝማ፡ ሳሓ፡ ወይ ዘሳሕን ዘየሳሕን ዕንፍሩር ኣብ ቈርበት፡ ነድሪ መድሃኒታት ገለ ካብቶም ዝረኣዩ ነድሪታት እዮም። ኣካላት ወዲሰብ ንመልከፍትን ሕማምን ዝብድህ ሓያል ግበረመልሲ ይገብር እዩ። ዝዀነ ሓደገኛ መልከፍቲ ኣብ ኣካልና ምስ ዝኣቱ፡ ኣብ ኣካላትና ኣትዩ ከም ዘይሰርሕ ንኽገብሩ ኣብ ደምን ፈሳሲ ክፋል ኣካላትና ዝርከቡ ናይ ፕሮቲን ቀመማት እዮም። እዞም ቀመማት ‘ኣንቲ-ቦዲ ተባሂሎም ይጽውዑ።
ካብ ደገ ናይ ዝመጽኣና መልከፍቲ ምስ ዝህሉ፡ ናይ ምክልኻል ሓልፍነት ዝወሰዱ ወሃዮታት ነቲ መልከፍቲ ዘምክን ቀመም (ኣንቲ-ቦዲ) ከመንጭዉ ይጅምሩ። እቲ ኣንቲ-ቦዲን መልከፍትን ተሓዋዊሶም ሓድሽ ቀመም ይፈጥሩ። እዚ ዝፍጠር ቀመም ሂስታሚነስ (histamines) ይብሃል። ንማስኮንስ-መምብሬን፡ ደም፡ ሳናቡእ፡ ቈርበትን ካልኦት ኣካላትን ይርብሸ። ሳይነሰኛታት ንሂስታሚነስ ዝከላኸል እተፈላለየ መድሃኒት’ኳ እንተ ሰርሑ፡ ስለምንታይ ንሓደ እተወሰነ ነገር ጥራይ ኣልርጂክ ንኸውን ኣዳቒቖም ክፈልጡ ግን ተወሳኺ መጽናዕቲ ከም ዘድልዮም ኣይሓብኡን።