ቅልውላው ኮሮና ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ሃገራት ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ዝመጹ ተመሃሮ መንግስቲ ሽወደን ክፍሊቶም ክውንዝፎን ምጒዳል መምሃሪ ክገብረሎምን ሓቲቶም ኣለዉ። ለበዳ ኮሮና ኣብ ቊጠባ ዓለምና ርኡይ ኣሉታዊ ጽልዋ ምሕዳሩን ተመሃሮ ክፍሊቶም ክፍጽሙ ዓብዪ ሽግር ኮይንዎም ምህላዉን ይፍለጥ።
ብፍላይ ካብ ወጻኢ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝመጹ ተመሃሮ ዓመታዊ ካብ 80ሽሕ ክሳብ 270 ሽሕ ክሮና እዮም ዝኸፍሉ ። ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ብዙሓት ስርሖም ምስኣኖም ከይኣክል ስድራኦም ብተመሳሳሊ ቊጠባዊ ሽግራት ይሳቐዩ ብምህላዎምን ክፍሊት ኣብ መዓልቱ ክፍጽሙ ከም ዝሽገሩ ገሊጾም ኣለዉ። በዚ ድማ 1500 ተመሃሮ ዝፈረምዎ ጥርዓን ክፍሊት ክናውሓሎም ሓቲቶም ኣለዉ።