ኢትዮጵያ: ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ እተካይዶ ዘላ ኲናት: ከቢድ ጸቕጢ ይወርዳ ምህላዉ ተገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ: ሃገሩ: ኣብ ትግራይ ዝወረደ ግፍዒ ንምእላይ እናሰርሐት: ብኣመሪካ ዝወርዳ ዘሎ እገዳ: ፈጺሙ ዘይግቡእ እዩ ክብል ገሊጹ’ሎ።
50 ወተሃደራት ኢትዮጵያ: ኣብ ትግራይ: ሲቪላውያን ቀቲልኩም ከምኡውን ጾታዊ ዓመጽ ፈጺምኩም ዝብል፡ክሲ ከም ዝቐረበሎም: ዓቃብ ሕጊ እታ ሃገር: ኣብ ቀረባ እዋን ምግላጹ ዝዝከር እዩ። መስርሕ ፍርዲ: ይካየድ ኣሎ ዝበለ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ: ሰለስተ ወተሃደራት ድሮ ብምድፋር ደቀንስትዮ ከምኡ ድማ ብቕትለት: ተፈሪዶም ኣለዉ ክብል ሓቢሩ’ሎ።
እንተኾነ ሰራዊት ኤርትራ እውን ኣብ ትግራይ በብግዜኡ ዓበይቲ ገበናት ይፍጽም ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ: ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ምዃኑ ካብ ዝገልጽ: ድሮ ሸሞንተ ሳምንታት እኳ እንተሕለፈ: ዛጊት እቲ ምውጻእ ሰራዊት ከም ዘይተኻየደ ጸብጻባት የመልክቱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር: ኣብይ ኣሕመድ: ኣብዚ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኲናት: ሓገዝ ሰራዊት ኤርትራ ኣጸቢቑ ዝደልዮ ምስ ምዃኑ: እቲ መብጽዓ ምውጻእ ሰራዊት: ዝፍጸም ከም ዘይመስልን በዚ ድማ እቲ እገዳን ጸቕጢን: ክቕጽል ከም ዝኽእልን ተንተንቲ ፖለቲካ የመልክቱ።
ብኻልእ ወገን: ኣመሪካ ኣብ ውሽጣዊ ጒዳየይ እንድሕሪ ምእታው ቀጺላቶ ዝምድናና ዳግመ ግምት ክገብረሉ እየ ክትብል ኢትዮጵያ ገሊጻ ኣላ ክብል ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ገሊጹ።
ኣመሪካ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምኽንያት ብምግባር: ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እገዳ ቊጠባውን ጸጥታውን ሓገዛት ከም እትገብር ድሕሪ ምፍላጣ ስዒቡ ዝወጸ መግለጺ ሚኒስተሪ ጒዳያት ወጻኢ እዩ። እቲ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ዝተበየነ እገዳ ቪዛ ከም ዘሕዘኖ እውን ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲነታት ንኽመሓየሽ ምስ ኣህጒራውያን መሻርኽትና ብምዃን ንሰርሕ ኣሎና ዝበለ እቲ መግለጺ: ምስቲ ግብረ ሸበራዊ ጉጅለ: ብምባል ዝወንጀሎ ህወሓት: ግና ብፍጹም ከም ዘይዝቲን፥ ኣመሪካ: ኢትዮጵያ ንምርጫ እናተዳለወት ከምዚ ዝበለ ስጒምቲ ምውሳዳ እውን ዘይግቡእ እዩ ክብል ገሊጹ’ሎ።
ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ: ኣንቶኒ ብሊንከን: ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ: ኣህጒራዊ ግብረመልሲ ከም ዝጠልብ ድሕሪ ምግላጽ: ዛጊት ነቲ ዝግበር ዘሎ ግፍዒን ተጻብኦን ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን: ዝዳረግ ስጒምቲ ከም ዘይተወስደ ሓቢሩ።
ኣብ ትግራይ: ብስም ምስፋን ሕጊ: ኣብ ዝካየድ ዘሎን ሻዱሻይ ወርሑ ዝመልአን ኲናት: ኣሽሓት ሲቪላውያን ከም እተቐትሉን መጠነ ሰፊሕ ራስያ ንብረትን ዓመጽ ደቀንስትዮን ከም እተፈጸመ፥ ከምኡውን መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዓለም ውጒዛት ዝኾኑ ኬሚካላዊ ኣጽዋራት ከም እተጠቕሙን ጸብጽባት የመልክቱ።