ኣብታ ሕጊ ንምኽባር፡ ብዝብል ምኽንያት፡ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኲናት ዝተኸፍታ ርእሰ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ዝኾነት ክልል ትግራይ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ብጥሜት ኣብ ዓቢ ጸገም ከምዝወደቑ ኣህጉራዉያን ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ዉድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሊጦም።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ንልዕሊ ሰብዓ መዓልታት ኣቑጺሩ ዘሎ ዉግእ፡ ኣብ ትግራይ ብኹሉ ማእዝን ብምዕጻዉ ዝተገብረ ብምዃኑ፣ ብዘይካ ሓበሬታ ምዕጻዉ፣ ሰብኣዊ ረድኤት እዉን ከይኣቱ ብምኽልካል ዓበይቲ ሰብኣዊ ገበናት ይፍጸሙ ኣብ ርእሲ ምህላዎም፣ ስባት ዝነበሮም መሰረታዊ ሃለኽቲ ስለዝተወደኤ ዓቢ ናይ ጥሚት ጸገም ተኸሲቱ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ እኢትዮጵያ ዝመደበሩ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዘዉጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ትግራይ ጠቕላላ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ክስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ዉግእ ትግራይ ካብ ዝጅመር ተቓዉምኡ ዘስመዐ ሕብረት ኤዉሮጳ ዝሓለፈ ሰሙን ንኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ባጀታዊ ሃገዝ ደዉ ከምዘበሎን፣ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ዝዋሃበሉ መገዲ ክኸፍቱ ነቲ ሕብረት ዛተዉዎ ቃል ብዘይምኽባሮም ዝሰዓበ ስጉምቲ ከምዝኾነ ገሊጹ።
ብዘይካ እዚ ሕብረት ኤዉሮፓ መል ትጋራይ ብምዕጻዉ ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ በቲ ሓደ ወገን፣ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ስለምንታይ ዝኣተዉዎ ቃል ምኽፋት ትግራይ ንሰብኣዊ ረድኤት ከምዘየተግበርዎ ንምዝርራብ ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ፊንላንድ ዝምራሕ ኤዉሮጳዊ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሱ ከምዘሎ ካብ ብራስለስ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።