ኣብዚ ሎሚ ዓመት ክግበር ተወጢኑ ዝነበረ ምርጫ: ገለ ተቓወምቲ ሰልፊታት ኣይንሳተፍን ኢና ምባለን ዝዝከር ኮይኑ፥ ብሰንኪ ዝግበር ዘሎ ኲናት ከኣ: ኣብ ትግራይ ምርጫ ክግበር ከም ዘይከኣልን ዘመልከተ ጸብጻብ ኣልጀዚራ: በዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ስልጣን ብውዱድ ኣገባብ ኣብ ማእከል ከም ዝእከብ ናይ ምግባር ሕልሙ፡ ኣብ ሕልኽልኽ ዝበለ ሽግራት ምእታዉ ኣመልኪታ።
ኣደወንበር ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ወ/ሮ ብርቱካን ሚደቅሳ፡ ” ምኽፋት ማእከላት ምርጫን ምዝገባን ካብቲ ዝተመደበሎም ግዜ ብምድንጓዮም” እቲ ምርጫ ክናዋሕ ከም እትገብረ፡ ዝሓለፈ ቐዳም፡ ንኣገልግሎት ዜና ዋልታ ኣፍሊጣ። በዚ ድማ እቲ ምርጫ ከምቲ ተወጢንዎ ዝነበረ ኣብ ሰነ 5 ክካየድ ዘይምዃኑ ወ/ሮ ብርቱካን ሓቢራ’ላ። “እዚ ምድንጓይ ክንደይ መዓልታት ወይ ሳምንታት ከም ዝወስድ፡ ካብ ሰልስተ ሰሙን ኣብ ዘይሓልፍ ግዜ፡ ንዂሉ ከነፍልጦ ኢና፡ ኢላ። ብመሰረት ወ/ሮ ብርቱካን፡ ምድንጓይ ምዝገባ፡ ምስልጣን ኣባላት ኣካየድቲ ምርጫ ከምኡውን ምሕታምን ምዝርጋሕን ካርድታት ምርጫ፡ ቀንዲ ብድሆታት ሎጂስቲክስ ምዃኖም እያ ትገልጽ። “በቲ ተሓንጺጹ ዝነበረ መዓልታት እዚ ቀረብ ክንገብር ኣይከኣልናን” ድማ ኢላ።
ንትግራይ ዘመሓድር ዝነበረ፡ ህወሓት፡ ምርጫ ምንዋሑ ከም ዘይቅበሎ ብምግላጽ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ክልላዊ ምርጫ ምክያዱን፡ እቲ ፍጻሜ ድማ፡ ቀንዲ ጠንቂ ግርጭት ፈደራላዊ መንግስትን ክልል ትግራይን ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።
ኣብ ትግራይ፡ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣሽሓት ሲቪላውያን ተጋሩ ከም እተቐትሉን፡ ኣመሪካ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ “ምጽናት ዓሌት ይካየድ ኣሎ” ክትብል ምግላጻን ዝዝከር እዩ።