ኢራን ኣብ መደብራት ኑክሌር፡ ናይ በዓል መዚ ኣቶሚካዊ ጸዓት፡ ካሜራታት ሓለዋ፡ ክትከላ ምስ ወኪል በዓል መዚ ኣቶሚካዊ ጸዓት (IAEA) ተሰማሚዓ። ሓላፊ IAEA ራፋኤል ማርያኖ ግሮሲ ብዛዕባ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ኢራን (AEOI) ንምዝታይ ናብታ ሃገር ኣብ ዝበጻሓሉ እዋን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምዃኑ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብምጥቃስ፡ ማዕከን ተተ ኣቃሊሑ።
ኣብ ምጅማር እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ ኢራን፡ ካሜራታት ሓለዋ ከይትከላ ከልኪላ ኔራ እያ። ሕጂ ግና ክኢላታት IAEA፡ ካሜራታቶም ክተኽሉን፡ ሜሞሪ ካርዲታቶም ባዕላቶም ክትክኡን ፈቒዳ’ላ።
ምስ ኢራን ዝነበረ ስምምዕ ኑክሌራዊ ጸዓት፡ ከምእንደገና ንምብጋስ፡ ኣብ ቪዬና ዘተ ክካየድ እኳ እንተጸንሐ ኣዝዩ ዝሕቱል ገስጋስ ከርኢ ከምዝጸንሐ እዩ ዝንገረሉ። ብዘይካ’ዚ ኣብ 2018 ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን እገዳ ድሕሪ ምንባሩ እቲ ዝነበረ ስምምዕ ኣቋሪጹ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ጆ ባይደን፡ ነቲ ዝነበረ ስምምዕ፡ ብዲፕሎማሲ ኣቢሉ ክቕጽሎ ድሌት ከም ዘለዎ ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ።