ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ሃገሩ፡ ነቲ ብእስራኤል ኣብ ትሕተ ምድራዊ ህንጻ ኑክሌር፡ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሕነ ክትፈዲ ምዃና ገሊጻ’ላ።
እዚ ብ ናታንዝ ዝፍለጥ ዩራንዬም ዝተባህለ ባእታ ዝፈርየሉ ትካል “ኑክሌሳዊ ግብረ ሽበራ” ብዝብል ጠቐነ፡ ብሰንበት ዒላማ ከም እተገብረ ሰብመዚ ኢራን ኣመልኪቶም። እስራኤል ኣብዚ ጒዳይ ዛጊት ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበትን ዝበለ እቲ ሓበሬታ እዚ መጥቃዕቲ ብሳይበራዊ ስለያ እስራኤል ዝተፈጸመ ክኸውን ከም ዝኽእል ንገለ ስለያዊ ምንጪታት ጠቒሱ ጸብጺቡ’ሎ። እዚ መጥቃዕቲ ካብዚ ኢራን እተኣመነቶ ንላዕሊ ዕንወት ከም ዘስዓበ እውን ተገሊጹ።
ሰብመዚ ስለያ ኣመሪካ፡ ንኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንውሽጣዊ ምንጪ ጸዓት እቲ ትካል ምሉእ ብምሉእ ከም ዘዕነዎን ምናልባት ዳግማይ ንኽህነጽ ኣዋርሕ ክወስደሉ ከም ዝኽእል ገሊጾም ኣለዉ።
ምስ ቆንስል ላዕለዋይ ጸጥታ እታ ሃገር ርክብ ከም ዘለዋ ዝንገረላ ወኪል ዜና ኢራን፡ ብወገኑ፡ ኢራን ንቀንዲ ተሓተትቲ እዚ መጥቃዕቲ ከም ዘለለየቶምን ነዚኦም ኣብ ቀይዲ ንምእታው ስርሒት ከተካይድ ምዃናን ገሊጹ’ሎ።