ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ ኢራን፡ 542 ሰባት ብሕማም ኮቪድ ምሟቶምን ለበዳ ኮሮና ካብ ዝኽሰት ጀሚሩ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ዘጋጠሙ መጠነ ሞት፡ እቲ ዝለዓለ ምዃኑን ተገሊጹ። መጠነ ሞት ን 500 ክሓልፍ ንመጀመርታ ግዜኡ እዩ ክብል እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣብሪሁ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።
ኣብ ዝሐለፈ 24 ሰዓታት፡ 39619 ሰባት በዚ ሕማም ምልካፎም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ እዚ’ውን ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ዝተረኽበ፡ እቲ ዝዓበየ መጠን መልከፍቲ እዩ ክብል ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣመልኪቱ።
መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ካብ ዝሓለፈ ሰነ ኣትሒዙ ምስ ምቕልቃል ጅር ደልታ፡ ብናህሪ ክውስኽ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። በዚ ድማ ኣብታ ሃገር ዘለዋ ሆስፒታላት ኣብ ዓብዪ ቅልውላው ተሸሚመን ከም ዘለዋ ተሌቪዥን እታ ሃገር ሓቢራ። ኢራን ካብዚ ቅልውላው ንምውጻእ ንኽትባት ዓብዪ ተስፋ እኳ እንተንበረትሉ፡ መጠን ክትባት ምስቲ ዝተወጠነ እንክወዳደር እንከሎ፡ ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ ከም ዘሎ እዩ ዝግለጽ። ካብ ጠቕላላ 83 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር፡ ቀዳማይ ብልቃጥ ክታበት ዝወሰዱ፡ 12.5 ሚልዮን ጥራይ እዮም። ምሉእ ክትባት ዝረኸቡ ድማ ካብዚ ኣዝዮም ዝወሓዱ–3.7 ሚልዮን ጥራይ እዮም።
ሓድሽ ፕረሲደንት እታ ሃገር፡ ኢብራሂም ራኢሲ፡ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ስትራቴጂያዊ መኸተ ኮሮና እታ ሃገር፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ገምጋም ክግበረሉ ምዃኑ እኳ እንተጠቐሰ፡ ዝርዝራት ግን ኣይሃበን።
ኣብ ኢራን፡ ጥብቕ ዝበለ ናይ ክልተ ቕነ ዕጽዋ ክተኣታቶን ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ሕጊታት ክጠብቁ ምዃኖም ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር፡ ስዒድ ናማኪ፡ ኣተሓሳሲቡ።
ለበዳ ኮሮና ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት ካብ ዝኽሰት ንደሓር፡ ኣብ ኢራን፡ 4.1 ሚልዮን ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከም እተለኽፉን ልዕሊ 94 ሽሕ ሰባት ምሟቶምን ጸብጻባት የመልክቱ።