ኡጋንዳውያን ተጠቀምቲ ኢንተርነት: ካብ ሎሚ ሓሙስ ጀሚሮም: ካብ ሕሳብ ሞባይሎም 12% ቀረጽ ክኸፍሉ እዮም ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ።
ብዘይካ’ዚ: “ቀረጽ ማሕበራዊ ሚድያ” ዝተሰምየ ኣገባብ ኣቐዲም ኣቢሉ ብ OTT ዝፍለጥ ቀረጽ ተኣታትዩ ምንባሩ ይፍለጥ። ባይቶ ኡጋንዳ: ድሕሪ ዝኣወጆ ምምሕያሽ ሕጊ: እዚ ኣገባብ ከም እተኣታተወ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ እዚ ቀረጽ ኣብ ምምዕባል ጽላታት ሕክምናን ትምህርቲን ክውዕል እዩ ኢሉ።
ብዙሓት ኡጋንዳውያን VPN እናተጠቕሙ ነቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተጻዕነ እገዳ ክሳገርዎ ጸኒሖም ኣለዉ። እቲ ውጥን ቀረጽ ክንዲቲ ዝተሓሰቦ ኣታዊ ክርከበሉ ከም ዘይከኣለን ተመልኪቱ። ኣብ ፊስካላዊ ዓመት 2018-19 ክሳብ 80 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ እኳ ተገሚቱ እንተነበረ እቲ ሓቀኛ ኣታዊ ካብ 14 ሚልዮን ዝሓልፍ ኮይኑ ኣይተረኽበን።
ኣብ ኡጋንዳ ዝተኣታተወ ቀረጽ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብፍላይ ብመንእሰያት ተቓውሞ ክወርዶ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።