ኣብ ተሌቪዥን ሽወደን ከም ተንታኒት ፖለቲካ ኮይና እትሰርሕ ኤልሳቤጥ ማርሙቸን፡ ኣቦ መንበር ዓቃባዊ ሰልፊ ኡልፍ ክሪስቸንስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ምዃን ዕድሉ ዓብዩ ምህላዉ እንተኾነ ግና ንምጽንባሉ ክህወኽ ከም ዘይብሉ ገሊጻ።
ዝቕጽል ባይቶኣዎ ምርጫ ሽወደን፡ ከም ኣብ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ዝግበር ረፈረንዱም ዝመስል እዩ ዝበለ፡ ክሪስቸንስ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰልፍታት ሚልዮፓርትየትን ሶሻል ዲሞክራትናን ዝተገብረ ስምምዕ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ኣመልኪቱ ክምዝገለጾ ሓቢሩ።
ክሪስቸንስ፡ ጽምብላት ቅድሚ ምክያዱ፡ ቊሩብ ህድእ ምባል ከድልዮ እዩ ክትብል ማርሙቸን ንተሌቪዥን ሽወደን ሓቢራ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ናይ ምዃን ዕድሉ ዝውስኸሉ እኳ እንተኾነ፡ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክርትና ኣብ ፓርላማ ሽወደን ዝያዳ መናብር ስለዘለዎ፡ ልዕሊኡ ሰድያታት ንምውናን እቲ ብሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትና ቀሪብዎ ዘሎ ኣካል መንግስቲ ናይ ምዃን ጠለብ፡ ብወገን ሰልፍታት ዓቃባውን ክርስትያን ዴሞክራትናን ዕሽሽ ክብልዎ ኣይክእሉን እዮም ድማ ኢላ።
እዚ ብሰልፍታት ሶሻል ዲሞክራትናን ሚልዮፓርትየትን ነቲ ብመንገዲ ኮሚቴ ኢሚግሬሽን ዝቐረበ እማመ ፖሊሲ ኢሚግሬሽንን ተወሳኺ ናይ ሰልፊ ሚልዮታርትየት እማመ ኣተሓሒዙ ናብ ፓርላማ ሽወደን ከቕርቦ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ተቛወምቲ ሰልፍታት፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ፡ ብፍላይ ድማ ሰልፊ ኣከባቢ ዘቕረቦ ወሰኽ ከቢድ ተቓውሞ ከም ዘአንገደ ተገሊጹ።