ፋውንዴሽን ኖቤል ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ሽልማት ኖቤል ካብ ሩስያ፣ ቤላሩስን ኢራንን ዝመጹ ኣምባሳደራት
ክዕድም ንዝገበሮ ውሳነ፥ ምስራዙ ገሊጹ። ካብ ንቡር ኣሰራርሓ ብዝወጸ ኣገባብ፡ ዓሚ ወከልቲ እተን ሃገራት ኣብቲ ፍጻመ ከም
ዘይተዓደሙ ዝፍለጥ እዩ። ይኹን’ምበር እቲ ፋውንዴሽን ዝሓለፈ ሰሙን፥ ወከልቲ ኩለን ሃገራት ናብቲ ናይ ሎሚ ዓመት መደብ
ክዕድም ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ እዩ። እዚ ድማ ካብ ፖለቲከኛታት ሽወደን፥ ከምኡ’ውን ፕረሲደንት ዩክሬይን ርኡይ ናይ ተቓውሞ
ግብረመልሲ ምስዓቡ፡ ንጉሳዊ ቤተሰብ ሽወደን ከይተረፈ በቲ ውሳነ ከምዝተገረመን ኣብቲ ዕድመ ብዛዕባ ምስታፍ ዳግም ግምት
ክገብረሉ ከም ዝኽእልን ምግላጹ ተፈሊጡ። ብፍላይ ድማ መራሕቲ ሰልፊታት ሽወደን፥ እዞም ኣምባሳደራት ዝዕደሙ
እንተኾይኖም ነቲ ዝተገብረሎም ዕድመ ከም ዝነጽግዎ ብምግላጽ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም እዮም።
እቲ ፋውንዴሽን ስነስርዓት ኖቢል ብዝተኻእለ መጠን ንዂሉ ተበጻሓይ ክኸውን ዓላምኡ ምዃኑ ከም ዝኣምን፥ እንተኾነ ግና ሕጂ
ነዚ ”ሓያል ኣሉታዊ ግብረ መልሲ” ኣብ ግምት ብምእታው፥ ነቲ ኣቐዲሙ ካብ ሩስያ፣ ቤላሩስን ኢራንን ዝመጹ ኣምባሳደራት
ክዕድም ዝገበሮ ውሳነ ምስራዙ ዋና ኣካያዲ እቲ ፋውንዴሽን ቪዳር ሄልግሰን ገሊጹ’ሎ።