ብኤለትሪክ ዝሰርሓ መካይን ንምርካብ ዘሎ ነዊሕ ሪጋ፡ ዋጋ መካይን ሓራጅ ንክውስኽ ምኽንያት ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ። ዓለም-ለኻዊ ሰንሰለት ቀረብ፡ ንትጽቢት ሓደስቲ መካይን ኤለትሪክ ኣንዊሕዎ ብምህላዉ፡ ዋጋ መካይን ሓራጅ ይውስኽ ኣሎ ክትብል E24 ገሊጻ። እዚ ወሰኽ ዋጋ፡ ብፍላይ ኣብ መካይን ኤለትሪክ ይረአ ምህላዉ፡ ናይዚ ምኽንያት ድማ ነዊሕ ትጽቢት ምዃኑ ተገሊጹ። ቴስላ ሞደል 3 ብ 13 ሽሕ ክሮና ኖርወይ፡ ፡ ከምኡ’ውን ፖልስታር 2 ብ 30 ሽሕ ክሮና ኖርወይ ይሽየጣ ምህላወን፡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ደለልቲ መካይን ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። እዚ ካብ ዋጋ ሓደስቲ መካይን ዝልዕል እዩ፡ ክትብል ኖርወይ ቱደይ ሓቢራ’ላ። ኣብዚ ዓመት 34,010 ሓደስቲ መካይን ኤለትሪክ ኣብ ኖርወይ ተሸይጠን ምህላወን፡ እዚ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንክወዳደር ናይ 28.9% ወሰኽ ከም ዘለዎ ተፈሊጡ። እንተኾነ ግና፡ ኣብ ወርሓ ሚያዝያ ቊጽሪ ዝተሸጣ ሓደስቲ መካይን ኤለትሪክ ብ 54.7% ምዕባዩ ተገሊጹ’ሎ።