ኣብ ቀረባ መዓልታት ገበነኛታት ቊጽሪ ተሌፎን ኣገልግሎት ጸጥታ ፖሊስ ብምጥቃም ናይ ተሌፎን ዓሎቕ ይፍጽሙ ምህላዎም ተገሊጹ። ስለዚ ድማ ዜጋታት ዘድሊ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣገልግሎት ጸጥታ ፖሊስ ጸዊዖም ኣለዉ።
“ካብ ቀረባ መዓልታት ኣትሒዞም ገበነኛታት ቊጽሪ ተሌፎን ኣገልግሎት ጸጥታ ፖሊስ ንገዛእ ረብሓኦን የውዕልዎ ኣለዉ” ክብል ኣቲ ኣገልግሎት ብቐዳም ዝብ ዝዝርግሖ ትዊተር ኣጠንቂቑ’ሎ። እቲ ናይ ተሌፎን ጻውዒት ዝገብር ሰብ ገንዝብ ክኽፈል ብምሕታት ነዚ ዓሎቕ ከም ዘካይድ ኣካያዲ እቲ ኣገልግሎት ሓበሬታ ማርቲን በርንሰብ ን ጋዜጣ VG ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣቃሊዑ’ሎ። “መታን ሓቀኛታት ክመስሉ እዮም ነዚ ቊጽሪታትና ዝጥቀሙ ዘለዉ፡ ደዊሎም ገንዘብ እንተ ሓቲቶምኹም ከይትህብዎም” ዝበለ በርንሰን ኣገልግሎት ጸጥታ ፖሊስ ነዚ ዓሎቕ ደው ከብል ይሰርሕ ምህላዉ ወሲኹ ኣመልኪቱ።