ብዙሓት ኖርዌጃውያን ብምኽንያት ክብሪ ዋጋታት ብስጭት ይስምዖም ምህላዉ፡ ብኦንላይን ዝግበር ጎነጽ ድማ የስፋሕፍሕ ምህላዉ ኣገልግሎት ጸጥታ ፖሊስ (PST) ኣመልኪቱ። ኣብዚ ናይ ኦንላይን ፎረማት፡ ገለ ተሳተፍቲ ን ሰብ-መዚን ፖለቲከኛታትን “ከሓድቲ” “ሓሰውቲ” ከምኡ’ውን “ሸፋቱ” እናተባህሉ ይጽውዑ ምህላዎም፡ ገሊኦም ድማ ተግባራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ከም ዝሃደዱ TV 2 ጸብጺባ። “ብዙሕ ጽልኢን ኣንጻር መንግስቲ ጎነጽ ዘለዓዕል ተግባራትን ይፍጸም ምህላዉ ንርኢ ኣሎና” ክትብል ኣብ ጒዳይ ጎነጽ መጽናዕቲ እተካይድ ካትሪን ቱርለይፍሶን ገሊጻ’ላ። ብሰንኪዚ ድማ፡ ኣገልግሎት ጸጥታ ፖሊስ ኣብ ተጠንቀቕ ምህላዎም ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ። “ኣብ ሕብረተሰብ ዘጋጥሙ ለውጢታት ኣብ ህዝቢ ዘይዕጋበት ይፈጥሩ እዮም፡ ኣብ ተኣፋፊ ኲነታት ዝጸንሑ ገለ ሰባት ድማ ግብረሽበራዊ ተግባራት ንኽፍጽሙ ክድርኽ ይኽእል እዩ” ክብል ምክትል ሓላፊ ጽጥታ ፖሊስ ሀድቪግ ኣጠንቂቑ’ሎ።