መራሒት ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ኦላግ ቦለስታድ፡ ንጸዓት ኤለትሪክ ኣመልኪቱ ዝተወስደ ስጒምቲታት ኣዕጋቢ ኣይኮነን ክትብል፡ ንመንግስቲ ነቒፋ። ብዘይካዚ፡ ንቢዝነሳት ዝኸውን ተወሳኺ ውሳነታት ጸዓት ኤለትሪክ ክግበር ጸዊዓ።
“እዚ መንግስቲ ኣውጺእዎ ዘሎ እማመ ጸዓት ኤለትሪክ፡ ምንም ትሕዝቶ የብሉን፡ ባምባ እዩ። ሰልፊና፡ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ዋጋ እንተበዝሐ 50 øre ክኸውን፡ ልዕሊ ዝኾነ ኸኣ 100% ሸፈነ ክህልዎ ኢና ንደሊ” ክትብል፡ ቦልስታድ ን ማዕከን ዜና NTB ገሊጻ’ላ።
“ኣብ መላእ ወቕቲ ጽድያን ሳመርን፡ ኣብ ቢዝነስ ዝተዋፈሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ወዲቑ እናሃለወ መንግስቲ እቲ ዝግባእ ኣቓልቦ ኣይሃቦምን ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ዝጸንከሩ ስጒምቲታት እንድሕሪ ዘይተወሲዶም፡ ብዙሓት ጻዕራማት ኲባንያታት ካብ ጸወታ ወጻኢ ናይ ምዃን ሓደጋ ብቕድሜአን ተገቲሩ ኣሎ፡ ክትብል ተሪር ነቐፌታኣ ኣቕሪባ’ላ።