ኣብ ኦሽታ ቤት ተኻርዩ ዝቕመጥ ዝነበረ ኣብ ክሊ 30ታት ዝርከብ መንእሰይ፡ ን ኣካራዪቱ ብምዕማጹ ክእሰር ተፈሪዱ። እዚ መንእሰይ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብቲ ቤት ተኻርዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኢንተርነትን ምድጃን ምስራሕ ስለዝኣበዮ ክትሕግዞ ን ኣካራዪቱ ድሕሪ ምሕታቱ፡ እታ ሰበይቲ ናብ ቤቱ ምስ ኣተወት ማዕጾ ዓጽዩ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸመላ፡ ቤት ፍርዲ ሞር ኦግ ሮምስዳል ገሊጹ’ሎ። እቲ መንእሰይ ኣዝዩ ጎነጻዊን እንስሳዊን ባህርያት ከርኢ ምጅማሩ ከም አሰንበዳ፡ ንህይወታ ብምፍራህ ከኣ ከይዕምጻ እትገብሮ ዝነበረት ቃልሲ ክትገድፍ ከም እተቐሰበት እታ ግዳይ ዓመጻ ዝኾነት ሰበይቲ፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ። ቤት ፍርዲ ሞር ኦግ ሮምስዳል ኣብ ልዕሊ’ቲ ጾታዊ ምዕማጽ ዝፈጸመ መንእሰይ ናይ 6 ዓመታት ማእስርቲን 220,000 ክሮና ካሕሳን ወሲኑ’ሎ።