ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኖርወይ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣምቡላንስ ሄሊኮፕተር ብዘጋጠመ ኩነታት እታ ሄሊኮፕተር ብህጹጽ ኣብ (an ant) —– ክትዓርፍ ተገዲዳ ነይራ። እዚ ድሕሪ ምዃኑ፡ ኣብ ኖርወይ ኣብ ግዜ በረድን ዛሕሊን ኣብ ልዕሊ ዝበራ ኣምቡላንስ ሄሊኮፕተራት፡ እገዳታት ተግባራዊ ክኾኑ ተገይሮም ከምዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
እዚ ውሳኔ’ዚ ኣብ ሽወደን ንዝግበር ናይ ኣምቡላንስ ሄሊኮፕተር በረራታት’ውን ዝምልከት ክኸውን ከምዝኽእል ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ሞንጎ ኖርወይን ሽወደንን ስግረ-ዶባዊ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ስለዘሎ፡ እዚ መምርሒ ኣብ ሽወደን’ውን ክትግበር ይኽእል እዩ” ክብል ላሽ-ኦሎፍ ብዮርክቪስት ፌደራል ዳይረክተር ናይ ሽወደን ኣየር ኣምቡላንስ ኣፍሊጡ።
ንሱ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ሽወደን ዝነጥፋ ትካላት ዝውክል በዓል ስልጣን እዩ። እንታይነት ናይቲ ኣብ ኖርወይ ዝተወሰነ ጉዳይ ብዕምቆት ንምግምጋን ተመሳሳሊ ስርሒት ንዘለወን ኣብ ሽወደን ንዝረከባ ሄሊኮፕተራት ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤንን ንምፍላጥ፡ ዝመጽእ ሶሉስ ኣኼባ ከምዘሳልጡ ተሓቢሩ’ሎ።
እቲ ውሳኔ፡ እተን ሄሊኮፕተራት በረድ ኣብ ዝወርደሉ፣ ክሊማ ትሕቲ 5 ዲግሪ ኣብዝኾነሉን ወይ ድማ “ክርአ ኣብ ዝኽእል ናይ ጠሊ መጠን” ኣብ ዘጋጥመሉን እዋን ክበራ ኣይፍቀደለንን እዩ ማለት’ዩ። ርኡይ መጠን ናይ ጠሊ ማለት፡ ውርጪ፣ በረድ፣ በረድ ዝሓወሰ ማይ፣ ግመ ወይ ድማ ናይ ምርኣይ ዓቕሚ ትሕቲ 800 ሜትሮ ርሕቀት ኣብ ዝኾነሉ እዋን ማለት እዩ።
ኣብ ኖርወይ ዝርከባ ካልኦት ዓይነት ስርሒት ዘለወን ኣምቡላንስ ሄሊኮፕተራት፡ እዚ እገዳታት ከምዘይምልከተን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።