ኣብ መላእ ሃገረ ኖርወይ ዝርከቡ ባራትን መዘናግዒ ማእከላትን፡ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ፡ ከምዘልዓለቶ ኣፍሊጣ። እዚ ኣብቲ ቲንግስሁስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ባይቶ ሃገረ ኖርወይ ዝተገብረ ክትዕ፡ ናእሽቱ ትካላት፡ በቲ ዉሳነ ተጎዲኦም እዮም ዝብል ከም ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ዉሳነ ከምዝኾነ እቲ ዜና ኣረዲኡ ኣሎ። በዚ መሰረት፡ ኖርወይ፡ ካብ ዓርቢ ጀሚራ፡ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ናብ ንቡር ክምለስ ምዃኑ ሓቢራ።