በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ኖርወይ፡ ናብ መላእ ከባቢታት ሽወደን ዝግበር መገሻታት ክቋረጽ ከምዝግባእ ምኽርታቱ ኣመሓላሊፉ።
ዝሓለፈ እዋን፡ ምምሕዳር ካልማር፡ እታ እንኮ ብኖርወጃውያን ክትብጻሕ ዝፍቀደላ ሽወደናዊት ምምሕዳር ከምዝነበረት ይዝከር። ሎሚ ድማ፡ ሰብ መዚ ኖርወይ፡ ንምምሕዳር ካልማር ሓዊሶም፡ ንመላእ ሽወደን ንኸይግየሽ ብምጥንቃቕ፡ ንመላእ ሽወደን፡ ኣብ ቀይሕ ዝርዝር የእትያታ።
ብኻልእ ወገን፡ ዴኒማርክ፡ ናብ ኣርባዕተ ሽወደናውያን ምምሕዳራት፡ ኖርቦትን፡ ስኮና፡ ሶርምላንድ፡ ቪስትራዮታላንድ ዘይተደልየ መገሻ ንኸይትግበር ኣዘኻኺራ። እዚ ማለት ድማ፡ ኩሎም ካብ ሽወደን ናብ ዴኒማርክ ዝኣትዉ በጻሕቲ፡ መምርሒታት ውሸባ ከተግብሩ ክግደዱ እዮም ማለት እዮ።