ኣብ ወርሓ ግንቦት፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኖርወይ ናብ 3.2% ምንቊልቋሉ፡ እዚ ድማ ምስ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ዝሓለፈ
ለካቲት እንክወዳደር ብ 0.2% ምጒዳሉ፡ ካብ ስታቲስቲክስ ኖርወይ ክፍሊ–ዳህሳስ ሓይሊ ዕዮ– እተረኽቡ ኣሃዛት
ኣመልኪቶም።
ካብ ለካቲት ክሳብ ወርሓ ግንቦት ናይዚ ሕዚናዮ ዘለና ዓመት፡ ካብ 5000 ዝውሕዱ ሰባት ጥራይ ካብ ሽቕለት ወጻኢ ምንባሮም
እቲ ስታቲሲክስ ኣመልኪቱ። ኣብ ወርሓ ግንቦት ሽቕለት ኣልቦነት ካብቲ ኣብ ወርሓ ለካቲት ዝነበረ 3.4% ናብ 3.2%
ኣንቈልቊሉ’ሎ። እዚ ማለት፡ ምስ ወርሓ ለካቲት ብምንጽጻር፡ ኣብ ግንቦት 15000 አወሰኽቲ ሰባት ናብ መኣዲ ስራሕ
ተጸንቢሮም ኣለዉ።
ኣብ ወርሓ ግንቦት፡ ኣብ ኖርወይ ዕድሜኦም ካብ 15-74 ዝኾኑ 93,000 ሰባት፡ ካብ ስራሕ ወጻኢ ሰባት ምንባሮም፡ ብሓፈሻ
2,857,000 ህዝቢ ኖርወይ ከኣ ኣብ ስራሕ ምህላዎም፡ እቲ ኣሃዝ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።