ቤት ፍርዲ ወረዳ ወስትፎልፍ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 50ታት ዝርከብ ሰብኣይ ንወዲ 6 ዓመት ህጻን ኣጸደ ህጻናት ኣብ መቐመጫኡን
ፍረነብሱን ብእግሩ ብምህራሙ ን 45 መዓልታት ማእሰርቲ ምፍራዱ ተፈሊጡ። እቲ ሰብኣይ ነቶም ተመሃሮ ኣብ ክንዲ ዝሓሊ
ከምዚ ዝበለ ግፍዓዊ ተግባር ክፍጽም ስለ እተራእየ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ናብ ከምዚ ዝበለ ውሳነ ምብጽሑ መደበር ዜና ኖርወይ
(NRK) ጸብጺባ’ላ።
ኣቲ ሰብኣይ ብዘይካዚ ነቲ ህጻን ናይ 10,000 ክሮና ካሕሳ ክኸፍል ተበይንሉ’ሎ።