ኣብ ምውዳእ ወቕቲ ሳመር፡ ኖርወይ ክትባት ማንኪፖክስ ንምክልኻል ዘኽእል ብልቃጣት ክትባት ክትወስድ እያ፡ ክብል ሃገራዊ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ብስሉስ ኣፍሊጡ።
“እቲ ዶዛት ገና ኣይበጽሓናን ኣሎ፡ ክሳብ መወዳእታ ሳመር ኣብ ኢድና ክኣቱ እዩ፡ ክሳብ ሽዑ ትካልና እዚ ክትባት ኣብ ኖርወይ ብኸመይ ኣብ መዓላ ይውዕል ዝብል ምሉእ መምርሒ ኣብ ምጽፋፍ ኢዩ ዘሎ” ክትብል ሄለና ኔይሚ-ኤዲ ን NTB ሓቢራ። እቲ ክትባት ብቫይረስ ማንኪፖክስ ንዝተጠቕዑ ሰባት ክወሃብ፡ በዚ ድማ ንምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ክስራሕን ምዃኑ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ብመሰረት ዘለወን ብዝሑ ህዝቢ ነዚ ዶዛት ኣብ መንጎአን የመቓርሖኦ ምህላወን፡ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ።
ሽወደን ን 1500 ዝኸውን እዂል ብልቃጣት እቲ ክትባት ክትወስድ ተዳልያ ምህላዋ ዝገለጸ ኣገልግሎት ዜና ተተ፡ ኖርወይ ክንደይ ብልቃጣት ክትወስድ ምዃና ከም ዘይተፈልጠ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ሕማም ማንኪፖክስ ኣብ ማእከላይን ምዕራብን ኣፍሪቃ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ሕማም ምዃኑ ጸብጻባት የመልክቱ።