ጣሊባን ክሳብ ሕጂ ምስ ኣልቓዒዳ ዝጸንሖ ዝምድና ይቕጽሎ ምህላዉ ከም ዘጒሃያ፡ ኖርወይ ገሊጻ። መራሒ ኣልቓዒዳ ኣይመን ኣዝ-ዘዋሂሪ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ጣሊባን ዘመሓድርዋ ኣፍጋኒስታን–ካቡል–ብፍሉይ ስርሒት ኣመሪካ አም እተቐለ ዝፍለጥ እዩ። ንኦሳማ ቢን-ላደን ተኪኡ ከም ኣዛዚ እቲ ግብረሽበራዊ ጒጅለ ኮይኑ ክዓዪ ዝጸንሐ ኣይምን ኣዝ-ዘዋሂሪ፡ ብመጥቃዕቲ ድሮን ኣመሪካ ከም እተቐትለ፡ ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ዝሓለፈ ሰኑይ ንዓለም ኣፍሊጡ እዩ።
“ኣዝ-ዘዋሂሪ ኣብ ካቡል ምሟቱ፡ ኣልቓዒዳን ጥሊባንን ዝጸንሖም ዝምድና ከም ዘይበተኹ ዘመላኽት እዩ። ጣሊባን ሃገሮም መዋፈሪት ኣህጒራዊ ግብረሽበራ ከም ዘይትኸውን ቃል ኣትዮም ኔሮም ክንሶም፡ ነዚ ዝምድና ምቕጻሎም ዘሕዝን እዩ” ክብል ኣብ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ኖርወይ ጸሓፊ መንግስቲ፡ ኢቪንድ ቫድ ፔርሰን ንጋዜጣ ዳግብላዴት ኣብ ዝሓቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
“ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ነገራት ብመንጽር ሰብኣዊ መሰላት፡ ብፍላይ ድማ መሰል ደአንስትዮ ናብ ግጒይ ኣንፈት እዮም ዝምዕብሉ ዘለዉ፡ ብሓፈሻ ኣካይዳ ጣሊባን ዘጒሂ እዩ” ክብል ፒተርሰን ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።