ቁጽሪ ናይቶም ብመሰረት ሕጊ ምክትታል ወጻእተኛታት ፡ ንጸጥታዊ ኩነታት ሽወደን ኣስጋእቲ ዝኾኑ ወጻእተኛታት ብቕልጡፍ ናህሪ ይውስኽ ምህላዉ ሬድዩ ኢኮት ንቤት ጽሕፈት ስለያ ሽወደን ዘውጸኦ መግለጺ ምርኩስ ብምግባር ሓቢራ። ብመሰረት ሕጊ ምክትታል ወጻእተኛታት (LSU)፡ ንጸጥታዊ ኩነታት ሽወደን ኣስጋእቲ ዝኾኑ ወጻእተኛታትን ግብረ ሽበራዊ ስራሕት ዝፍጽሙ ወይ ድማ ንግብረ ሽበራዊ ስራሓት ዝተሓጋገዙ ሰባት ኣለልዩ ካብ ሽወደን ንኽባረሩ ሳቦ (Säpo) ጠለቡ ከቕርብ ከምዝኽእል ይፍለጥ።
እዚ ንትግባረ ፍቓድ ዘለዎ ሕጊ ኣብ መጀመርታ ተስዓታት ምስ ተኣታተወ፡ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ኣጠቓቕምኡ ዝተፈላለየ ነይሩ። ኣብ ገለ ዓመታት ብመሰረት እቲ ሕጊ ዝብሎ ስግኣት ዝፈጥሩ ወጻእተኛታት ከይተረኽቡ ሓሊፉ። እንተኾነ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ቁጽሪ ናይቶም ንጸጥታዊ ኩነታት ኣስጋእቲ ዝኾኑ ወጻእተኛታት ብቕልጡፍ ናህሪ ወሲኹ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ካብ 40 ኣብ ትሕቲ ምክትታል ዝርከቡ ወጻእተኛታት ከባቢ ፍርቂ ንጸጥታዊ ኩነታት ሽወደን ኣስጋእቲ ተባሂሎም ዝተጠቕሱ እዮም።
ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ጥራይ፡ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ንዓሰርት ክልተ ሰባት ብኽሲ ምወላ ግብረ ሽበራ ካብ ሃገር ክባረሩ ጠለቡ ኣቕሪቡ እኳ እንተነበረ እቶም ሰባት ግን ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝልቀቑ ተገይሩ። ኣብ ዝሓልፈ ቀውዒ፡ ሽዱሽተ ሰባት፡ መብዛሕትኦም መራሕቲ መሳጊድ (ኢማም)፡ ካብ ሽወደን ንኽባረሩ ሳቦ ጠለቡ ኣቕሪቡ። እዞም ሰባት’ዚኣቶም ንጸጥታዊ ኩነታት ንግስነት ሽወደን ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ እዮም ተባሂሉ። እዞም ከባቢታት እዚኣቶም ኣስጋእትን ብቕልጡ እናዓበዩ ዝመጹ ዘለዉ ስለዝኾኑ ክኽልከሉን ብጥንቃቐ ክንከታተሎም ዘለና እዮም።
እቲ ምንታይ’ሲ ናይ ግብረ ሽበራ ኣገባባት እናተቐየሩ ይመጹ ኣለዉ ክብል ሓላፊ ሶባ ፍሬድሪክ ሃልስትሮም ክብል ተዛሪቡ። ብመሰረት ሳቦ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ምክትታል ነቶም ኣብ ነዊሕ እዋን ስግኣት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝበሃሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝኾነ ዓይነት ኣስተዋጽኦ ዘይብሎም ንጥሩፍነት ዝድግፉ ሰባት ዘጠቓልል እዩ።