ቁጽሪ ናይቶም ንጸጥታ ሽወደን ስግኣት ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም ዝበሃሉ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝዛየደ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ (Säpo) ሓቢሩ። ነዚ ወሰኽ ኣመልኪቱ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን ከምዚ ይብል፡ ሓደ ካብ ምኽንያታት ምውሳኽ ናይዚ ቁጽሪ ድማ ኣባላት ኢሚግሬሽን ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ናይ ምልላይ ዓቕሞም ክብ ስለዝበለ ከምዝኾነ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ካብ 553 ጉዳያት ሓተቲ ዑቕባ እቶም 122 ጉዳያት ከም ንጸጥታ ሽወደን ኣስጋእቲ ተባሂሎም ዝተመደቡ እዮም። ቁጽሪ ናይቶም Säpo ሕቶ ዑቕባኦም ንኽንጸግ ዝሓተተሎም ጉዳያት፡ ኣብ ዓመተ 2013 ብዝሖም 17 ጉዳያት ጥራይ ከም ዝነበሩን ኣብ ዓመተ 2018 ግን ናብ 45 ጉዳያት ክብ ኢሉ ከምዝነበረ ይዝከር። ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡ ምስ ጉዳይ ጸጥታ ሽወደን ዝጥርጠሩ ፋይላት ሕቶ ዑቕባ፡ ዓመታዊ ናብ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ንኽግምገሙ ከምዝልእኽ ሓቢሩ። Säpo ብወገኑ ነቲ ጉዳይ ድሕሪ ምጽናዕ መንበሪ ፍቓድ ንኽወሃቦን ንኸይወሃቦን ርእይቶ የመሓላልፍ። ኣብ ገለ ጉዳያት ድማ ቀጥታዊ ስግኣት ከምዘኮኑ ይሕብር። ገለ ገለ ፋይላት ግን ቀጥታዊ ስግኣተን ዓቢ ምስዝኸውን ሕቶ ዑቕባ ብቐጥታ ከምዝንጸግ ይኸውን። ዝተጠርጠሩ ጉዳያት ሕቶ ዑቕባ፡ ምስ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ Säpo ከም ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሓላፊ ምጽራይ ሓበሬታ ዝኾነ ኦስካር ኢክብላድ ሓቢሩ። ኣባላት ኢሚግሬሽን እኹል ልምምድን ትምህርትን ስለዝቐሰሙ ነቲ ዝቐረበሎም ሓበሬታትን ሕሉፍ ናይቲ ሰብ ታሪኽን ኣብ ግምት ብምእታው ስግኣት ናይ ምልላይ መስርሕ ባዕላቶም ከምዘካይድዎ ብተወሳኺ ገሊጹ። ኣብ ሶርያ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት እንተድኣ ወሲድና፡ ካብቶም ዑቕባ ዝሓተቱ ሰባት ኣብ ሃገሮም ሕማቕ ነገራት ዝፈጸሙ ክኾኑ ከምዝኽእሉን ወይ ድማ ጥሩፍ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ዘለዎም ኮይኖም ኣብ ውሽጢ ሽወደን ተግባራቶም ክደግምዎን ክፍጽምዎን ከምዝኽእሉን እቲ ሓላፊ ብተወሳኺ ይዛረብ። Säpo ብዛዕባ ገለ ፋይላት ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ እንተጸኒሑ እቲ በዓል ጉዳይ መንበሪ ፍቓድ ኣይወሃቦን እዩ። ካብ ሽወደን ምብራሩ (ምስፋር) ግን ቀሊል ኣይኮውንን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሃገሮም ናይ ምስቓይን ናይ ሕልፈትን ውሳነታት ክጽበዮም ስለዝኽእል። ቀጺሉ ዝስዕብ ዝርዝር ናይቶም ብ Säpo
ጉዳዮም ናይ ዝተራእየ ፋይላትን ናይ ምንጻግ ውሳነ ዝተዋህቦምን ጉዳያት ዝተራእየሉ
ዓመት ብዝሒ ጉዳያት ዝተነጽጉ ጉዳያት
2019 553 122
2018 762 45
2017 1052 43
2016 739 50
2015 461 29
2014 109 24
2013 85 17