ንግስቲ ኤልሳቢጥ ብኮቪድ-19 ከም እተለኽፈት ቤተመንግስቲ ባኪንሃም ገሊጹ። ፍዂስ ዝበሉ ምልክታት እቲ ሕማም ተርኢ ምህላዋ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ሳምንታት ኣብ ዊንድሶር ፍዂስ ዝበለ ዕዮታታ ክትቅጽል እያ ዝብል ውጥን ምህልዉ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
“ኣድላዪ ሕክምናን መምርሒታትን ምስዓብ ክትቅጽል እያ” ይብል እቲ ዜና።
ኣብ ቤተመግሲ ባንኪንሃም ን ቦኽሪ ወዳ መፍስን ዌልስ ሓዊስካ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት በቲ ሕማም ከም እተለኽፉ ክግለጽ ጸኒሑ’ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጃንሰን ከምኡውን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዕዮ ዝኾነ ሰር ኪር ስትራመር ንግስቲ ኤልሳቤጥ ብዝቐልጠፈ ናብ ንቡር ጥዕናእ ክትምለስ ዘለዎ ምንዮቶም ገሊጾም ኣለዉ።