ንግስቲ ሲልቪያ ንዕለት 15/10/2019 ናይ መጀመርያ ዑደታ ናብ ርእሲ ከተማ ሊባኖስ ዝኾነት በይሩት ክትገብር እያ። እዚ ድማ ከም ክፋል ናይቲ ንሜንቶር ፋውንደሽን (Mentor Foundation) ንምንጥጣፍ ዝግበር ዓመታዊ መደባ እዩ። ኣብ እዋን ዑደታ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራውን ትምህርታውን ንጥፈታት ከምኡ ድማ ኣብ ምጅማር መድረኽ ምምራሕ መንእሰያት (Youth Guidance Platform) ክትሳተፍ መደብ ኣለዋ። እዚ ሓድሽ መድረኽ ነቶም መንእሰያት ናይ ምዝርራብን ምርድዳእን መድረኽ ዝፈጥር ኮይኑ ብዛዕባ ዘጋጥሞም ብድሆታት ርእይቶኦም ክዛረቡን ዕድላት ክድህስሱን ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ረቛሒታት ኣብ ጥቕሞም ንኸውዕሉ ዝሕግዝ እዩ።
ኣብ በይሩት ኣብ ዝርከብ ሆቴል ኣርባዕተ ወቕትታት (Four Seasons Hotel) ኣብ ዝተገብረ ጋዜጣዊ ኣኼባ፡ ንግስቲ ሲልቪያ ክትመጽእ ምዃና ሜንቶር (Mentor) ኣቃሊሑ። ብሜንቶር ዓረብ ንዝዳሎ ሽልማት ሜንቶር ንመሃዝቲ መንእሰያት ዓረብ (Mentor Arab Award for Young Arab Entrepreneurs) መንእሰያት ንምትብባዕ ተባሂሉ ኣብ 2016 ዝተበገሰ፡ ንኻልኣይ ግዚኡ ክቐርብ እዩ። እዚ ሽልማት ነቶም ብቐጻሊ ምህዞታቶም ኣብ ጥቕሚ ማሕበረ ሰብ ዘውዓሉ ማሕበራዊ ጽልዋ ዝፈጥሩ መንእሰያት ዓረብ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝጀመረ እዩ። መስርሕ ምዕዳል ሽልማት ኣብ ርእሲ ከተማ ሊባኖስ እታ ንግስቲ፡ ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ሊባኖስ ዮርገን ሊንድስትሮም፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ፍሉጣት ሰባት፡ መራኸቢ ብዙሃን፡ ኣካዳምያውያንን ማሕበራዊ ኣርቲስትታት ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ክፍጸም እዩ።
ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሪቻርድ ኮምጂያን፡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብዚ ወድዓዊ ኩነታት ንግስቲ ሽወደን ዑደት ክትፍጽም ብምምዳባ ሊባኖስ ሓበን ከም ተሰማዓ ገሊጹ። እዚ ድማ ዝምድና ሊባኖስን ሽወደንን ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ዝገልጽ፡ ህላውነት ሊባኖስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣገዳስነቱ፡ ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኩነታት ሊባኖስ መሰል ደቂ ሰባት ንምሕላው ከምትቃለስን ዝምስክር እዩ። ምብጻሕ ናይ’ዛ ንግስቲ ነቲ ብዓለም ደረጃ እትመርሖ ስራሕ ናይ ፋውንደሽን ደገፍ ንምሃብ እዩ። ኣገዳስነት ናይዚ ኣጋጣሚ ድማ ሊባኖስ ማእከል ናይ ስልጣነ፡ ምዕባለን ሰብኣዊ ጉዳያትን ከም ዝኾነት ህያው ምስክርነት ዝህብ ምዃኑ ኣብ ሜንቶር ዓረብያ ናይ ምፍጻም ሓላፍነት ዘለዋ ሱረያ ኢስማዒል ኣብ ዝሃበቶ ቃል ኣስሚዓ። ብምቕጻል፡ ንግስቲ ሲልቪያ ንተሃራፊት ሊባኖስ ክትበጽሕ ተሃንጥያ ከምዘላ ብምሕባር፡ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ትጸንሓሉ ግዜ ናብ ኩሎም ናይ ቱሪስት ቦታታት ክትዛወር፡ ጥንታውያን ቦታታት ክትበጽሕ፡ ባህላዊ መግቢ ሊባኖስ ክትጥዕም፡ ምስ ህዝቢ ተራኺባ ክትላለ መደብ ከምዝተሰርዐ ትሕብር።
ነዚ ንምትግባር ድማ እታ ንግስቲ ንተወሳኺ ሓደ መዓልቲ ዑደታ ንኸተናውሕ እቲ ፋውንደሽን ተሓቲቱ ከምዘሎ ውን ሓቢራ ኣላ። ዳይረክተር መራኸቢታትን ምምዕባል ዓቕምን፡ ወኪል ፈጻሚ ዳይረክተር ናይ ሜንቶር ዓረብያ ዝኾነት ቢሻራ ቓዊ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ዑደት ናይ ንግስቲ ሲልቪያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ንጥፈታት ዘማልአ ኮይኑ ኣብ ቱሪዝም፡ ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ጽላታት ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ እዩ ክኸውን። ብቐዳምነት ኣኼባ ኣብ ኣሜሪካን ዩኒቨርስቲን ምብጻሕ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብምትሕብባር ዝካየዳ ቤት ትምህርታትን ክኸውን እዩ።
ኣብ 1994 ብንግስቲ ሲልቪያ ዝተመስረት ግብረ ሰናይ ኣህጉራዊ ማሕበር ሜንቶር፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተዶከነ ማሕበር ኮይኑ ኣብ ስቶክሆሎም ዝተመዝገበ እዩ። ኣብ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ላትቪያ፡ ሽወደን፡ ጀርመን፡ ሊትወንያን ደኒማርክን ጨናፍር ዘለዎ ማሕበር እዩ። ሜንቶር ዓረብያ ድማ ብ2006 ዝተመስረተ ኮይኑ ኣብ በይሩት ተዶኪኑ ይርከብ።