ንጉስ ሽወደን ካርል መበል 16 ብምኽንያት በዓል-ልደት ንሽወደናውያን ኣብ ዝፈነዎ መልእኽቲ ሽወደን ከም ገበንን ምልዋጥ ክሊማን ዝበሉ ብድሆታት ኣብ ቅድሚኣ ተገቲሮም ምህላዎም ኣመልኪቱ። ንሱ”ኣብ ሽወደን፥ ኣብ ዞባና ይኹን ብዓለም ደረጃ ከበድቲ ብድሆታት ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ምህላዎም ርዱእ እዩ። “ብደረጃ ዓለም ጎነጽ፥ ምቱኻስን እናዓበየ ምስ ምምጽኡ ብዙሕ ሻቕላ ፈጢሩ’ሎ። እዚ ንኣይን ንስድራይን ብዙሕ እዩ ዘሕስበና” ድማ ኢሉ።
ኣነ ክዕቅነሉ ካብ ዝጀመርኩ ግዜ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ካብቲ ዝሓልፈ ዝወዓየ እዩ ኔሩ ድማ ኢሉ። ኣብ ሽወደን ምልዋጥ ክሊማ ኣብ ጫካታትና ዕንወት የስዕብ፥ ዕልቕልቕ ድማ የስዕብ ኣሎ። እዞ ድማ ኣብ ቀረብ ማይን መግብን ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣለዎ ክብል ኣብሪሁ። “ኣብ ብዛዕባ መጻኢ ትስፉው ክኸውን እየ ዝመርጽ። በዚ ኣጋጣሚ ተጠቒመ ስለምንታይ ትስፉው ምዃነይ ከብርህ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣነ ስድራይን ምስ ፖሊስ፥ ሰራሕተኛታት ግምሩኽን ካልእ ኣካላት ፍርዲን ተራኺበ ኔረ። ንሳ’ውን ምስ ሓይልታት ሽወደን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማሊ ክትራኸብ ዕድል ረኺባ ኔራ። ውሕስነት ሰባት ንምርግጋጽ ብዙሕ ይስራሕ ምህላዉ፥ ኣብ ኣሸጋሪ ኲነታት እውን ግዴታኦም ክፍጽሙ ዝተግሁ ዜጋታት ከም ዘለዉና ምሕሳብ ትስፉው ንኽኸውን እዩ ዝገብረኒ” ።