ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኒል፡ ነቶም ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ሰባት ዕላማ ዝገበረ ጎስጓስ ብዛዕባ ክታበት ጸረ ኮሮና ክጅመር ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ገሊጹ።
ብምልኡ ሕብረተ ሰብ ሽወደን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ኣብ ምውሳድ ክሳተፍ ይግባእ። ስለዝኾነ ድማ፡ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታታት ኣቢሉ፡ ነቶም ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ሰባት ሓበሬታታት ከምዝበጽሖም ክንገብር ከድልየና እዩ ክብል፡ ቲግኒል፡ ንሬድዩ ኢኮት ሓቢሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብዛዕባ እቶም ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ሰባት ዝምልከት ኣሃዛዊ ሓበሬታታት እኳ እንተዘየለ፡ ካብቲ ኣብ እዋን ኢንፍሉዌንዛ-ሓሰማ ዝነበረ ኩነታት፡ ክታበት ዝወሰዱ ብዝሒ ምርኩስ ብምግባር፡ ጎስጓስ ከምዘድሊ በጺሕናዮ ኣለና ክብል ቲግኒል ሓቢሩ።