ኣብ ፓሪስ፡ ንሚርዬል ኖል፡ ዝተባህለት ሽማግለ ሰበይቲ ዝቐተለ ሰብኣይ፡ ንሕልፈት ተፈሪዱ።
ወዲ 32 ዓመት፡ ያሲን ሚሑብ፡ ኣብ 2018 እዩ ነዛ 85 ዝዕድሜኣ ሽማግለ 11 ሳዕ ብካራ ወጊኡ ኣካላታ ብሓዊ ኣቃጺልዎ። እዚ ጒዳይ ኣብ ፈረንሳ ንጸረ ኣይሁድነት ዝቃወም ሰልፊ ክካየድ ደሪኹ ኔሩ እዩ።
ሜሪል ንኣደ ቐታሊ፡ ጐረቤታ ምንባራ ዘመልከተ ጸብጻብ ቢቢሲ፡ ኣብ እዋን ቊልዕነቱ እውን ከም መጒዚት ኮይና ከም ዘዕበየቶን ንቤት ፍርዲ ብምጥቃስ ሓቢሩ’ሎ። ሚሑብ ነቲ ቅትለት ዝፈጸመሉ ምኽንያት፡ እዛ ኣይሁዳዊት፡ ዘይፍለጥ ሃብቲ ኣብ ቤታ ሓቢኣ ክትከውን ትኽእል እያ ብዝብል እዩ።
ሜሪል ኣብ እዋን ናዚ፡ ኣብ መዓስከር ኣትዮም፡ ብዕድል ካብ ሞት ዘምለጡ ሒደት፡ ኣይሁዳውያን እያ ኔራ።