ንልዕሊ 70 ዓመት ዝኾኑ ኣረጋውያን ዝምልከት ምኽርታት ኮሮና፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓለዋ ጥዕና ክፍጠር ተኽእሎታት ዝነበሮ ተወሳኺ ጸቕጢ እኳ እንተ ቀነሰ፡ ንጥዕና ናይዞም ኣረጋውያን፡ ኣብ ምንቁልቋል ተራ ከምዝነበሮ ካብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ዝወጹ ሓደስቲ ጸብጻባት ገሊጾም ክብል SVT ኣመሓላሊፉ።
በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ እቲ ንኣረጋውያንን ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተሰብ ተባሂሉ ወጺኡ ዝነበረ መምርሒታት ኮሮና ከምዘልዓሎ፡ ሎሚ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓቢሩ ኣሎ። እንተኾነ፡ እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ዝምልከት መምርሒታት ኮሮና፡ ክኽተሉ ከምዝግባእ፡ እቲ በዓል መዚ፡ ኣዘኻኺሩ።
ሓገዝ ዝህባ መስመራት፡ ካብ ኣረጋውያን፡ ተስፋ ቆረጽ ዝኾኑ ዘረባታት ክቕበላ ከምዝጸናሓን፡ ሂወቶም ትርጉም ስኢኑ ከምዘሎ ዝሕብር መልእኽታት ክሰዱ ከምዝጸንሑ ይሕብራ።
ብፍላይ ድማ እቶም ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ኣረጋውያን፡ ኢንተርኔት ንኽጥቀሙ ክሽገሩ ምጽነሖምን፡ እዚ ድማ፡ መዘና ዘይብሉ ጸቕጥን ጭንቀትን ዘስዓቦ፡ ዋሕዲ ድቃስን ናይ ነፍሰ ቅትለት ዝምባለን ከምዝፈጠረሎም እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
እዞም ተመሓላሊፎም ዝጸንሑ መምርሒታት፡ ኣብ ልዕሊ ኣካላውን ስነኣእምራዊ ኩነታት ናይዞም ኣረጋውያን፡ ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዝፈጠሩ፡ ዮሃን ካርልሶን፡ ድሕሪ ምሕባሩ፡ እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መምርሒታት ንሓጺር እዋን ተዘይኮይኑ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክንጥቀመሎም ከምዘይንኽእል ፈሊጥና ኣለና ክብል ወሲኹ ኣብሪሁ።