መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ዝጸደቐ ንጉዳይ ንሓደ እዋን ዘገልግሉ ናይ ፕላስቲክ ፍርያት ኣመልኪቱ፡ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ብምውሳን፡ ንብዝሒ ናይዞም ከምዚ ዓይነት ፍርያት ክድርትን ከውሕድን ምዃኑ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
መግቢ ዝገዝኡ ሰባት፡ ከም መትሓዚ፡ ኣብ ክንዲ ነዞም ናይ ፕላስቲክ ፍርያት ዝወሃቡ፡ ካልእ ዓይነት መተካእታ ክወሃቦም እዩ። እቶም ከምዚኣቶም ዝኣመስሉ ፕላስቲክ ዝጉሕፉ ሰባት፡ ናብ ምምሕዳር ከተማ ኣታዊ ዝኸውን፡ ናይ መጉሓፊ ክፊት ክፍጽሙ እዮም።
ገለ ካብዞም ፍርያት ፕላስቲክ፡ ንክሊማ ብጣዕሚ ሓደገኛታትን ሃሰይትን ኮይኖም ስለዝተረኽቡ፡ ካብ ዕለት 01 ጥሪ 2022 ጀሚሮም ብሕጊ ዝተኸልከሉ ክኾኑ እዮም። ካብዞም ብሕጊ ዝኽልከሉ ፍርያት ፕላስቲክ፡ ጠጥዒ ጡጥ፡ ስትሮው፡ ብፕላስቲክ እተሰርሐ መቝረጽ፡ ናይ መስተ መሕቀቒ፡ ናይ ባሎናት መትሓዚ፡ ብያትታትን ከምኡውን ብፖሊስተር እተሰርሑ ናይ መግቢ መትሓዚ ዝኣመሰሉ እዮም።