ምውሳኽ ዝቕባበ ን ስድራቤታት ዝህልዎ ሳዕቤናት፥ ከምኡ’ውን ዝቕባበ ንምብዳህ እንታይ ስጒምቲታት እንተተወስዱ ይሓይሽ
ብዝብል ጒዳይ፥ ኣብ መንጎ መራሕቲ ሰልፊ ባይቶ ሽወደን–ሪክስዳግ–ርሱን ክትዕ ተኻዪዱ። ኣብዚ ብተሌቪዥን ሸወደን
እተመሓላለፈ ርሱን ክትዕ፡ ኑሺ ዳጎስታር ካብ ጸጋማይ ሰልፊ መንግስቲ ኲባንያታት መግቢ ኣዝዩ ብዙሕ መኽሰብ ይረኽባ
ብምህላወን፥ ዋጋ መግቢ ከጒድላ እንተዝግበር ዝብል ሓሳብ ኣቕሪባ ኔራ። እንተኾነ ግና ኣባል ሰልፊ ሞደራትናን ቀ/ሚ ሽወደንን
ዝኾነ ኡልፍ ክሪስተርሾን፥ ፖለቲከኛታት ዋጋታት ዝውስኑሉ ምእኩል ቊጠባ ኣብ ዝኾነት ሃገር ኣድሚዑ ኣይፈልጥን እዩ ክብል
መልሲ ሂቡሉ’ሎ።
ኣባል ሓምላይ ሰልፊ ማርታ ስተነቪ ብወገና፥ መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ቊጠባዊ ፖሊሲ ግጒይ ምዃኑ ድሕሪ ምምልካት፥
መንግስቲ ነቶም ልዑል ኣታዊ ዘለዎም ዜጋታት ቀዳምነት ኣብ ክንዲ ምሃብ ፥ ኣብ መግቢ ዘሎ ናይ “ቫት” ቀረጽ እንተዘወግድ
ምሓሸ ኔሩ ክትብል ሓሳብ ኣቕሪባ’ላ። ብዘይካዚ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኲባንያታት ጸዓት ኤለትሪክ ጸቕጡ ከንብር ይግባእ
ኢላ’ላ።